EmbassyMedia

Call Directions Website

EmbassyMedia Digital State of the Art, with the current scope that we are aiming to brand and show the real image of the Nation.

The people of Eritrea share a strong sense of national unity, coming together as one diverse community that reflects the...
22/10/2026

The people of Eritrea share a strong sense of national unity, coming together as one diverse community that reflects their rich cultural heritage. They are governed by a system that emphasises citizens' voices and will, ensuring their interests and aspirations are represented. The national defence forces play a crucial role in safeguarding the nation's sovereignty, providing security and protection for all Eritreans as they strive for a prosperous future together.

ህዝባዊ ግንባር “ንቕሓት ኣብ ሓፋሽ ምስ ዝሰርጽ ነገራዊ ሓይሊይፈጥር” ዝበለ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ሓደ ህዝቢ ይውሓድ ይብዛሕ ንህላወኡ ዝውስኖ ንቕሓትን ውዳበን’ምበር ብዝሕን ኣጽዋርን ...
21/10/2026

ህዝባዊ ግንባር “ንቕሓት ኣብ ሓፋሽ ምስ ዝሰርጽ ነገራዊ ሓይሊ
ይፈጥር” ዝበለ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ሓደ ህዝቢ ይውሓድ ይብዛሕ ንህላወኡ ዝውስኖ ንቕሓትን ውዳበን’ምበር ብዝሕን ኣጽዋርን ከምዘይኮነ ተመስኪሩ እዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ሰውራ ንዋሕዱ ናብ ብዝሒ ዝቕይረሉ መካኒዝም ውዳበ እዩ።

ኤርትራ፡ “ምምራሕ  ሓድሽ  መዋእል ንግዲ ኣብ ኣፍሪቃ”  ብዝብል ቴማ፡ካብ 14 ክሳብ 16 ጥቅምቲ ኣብናይሮቢ - ኬንያ ኣብ ዝተቓነዐ ዋዕላንግድን ወፍሪን ተሳቲፋ። ኣብ’ዚ ብሃገራዊ ቤት-ምኽ...
21/10/2026

ኤርትራ፡ “ምምራሕ ሓድሽ መዋእል ንግዲ ኣብ ኣፍሪቃ” ብዝብል ቴማ፡
ካብ 14 ክሳብ 16 ጥቅምቲ ኣብናይሮቢ - ኬንያ ኣብ ዝተቓነዐ ዋዕላ
ንግድን ወፍሪን ተሳቲፋ።

ኣብ’ዚ ብሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን ኬንያ ዝተወደበ ዋዕላ፡ ንልዕሊ 50 ሃገራት ዝወከሉ - ኣፍረይቲ፡ ኣቕረብቲ፡ ኣውፈርትን ወከልቲ ንግዳዊ ኣካላትን ዝርከብዎም ልዕሊ 5 ሽሕ ተሳተፍቲ ተሳቲፎም። ቀንዲ ዛዕባታት ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ምህዞ፡ መሪሕነትን ምትእስሳርን ዝብል ከምዝነበረ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ፡ ልኡላውነት ማያዊ ኣካላትን ሰላምን፣ ብልጫታት ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን ማእከል ዝገበረ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ተራ ዲፕሎማስያዊ ውክልናን ኢዱስትሪያዊ ልኡላውነትን ዘተኰረ መደረ ኣቕሪቡ።

ኣምባሳደር በየነ ኣብ መደረኡ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ንግዳዊ
ንጥፈታት ንኽምዕብል ግብራዊ ስጒምቲታት ክውሰድ፣ ከምኡ’ውን
ርትዓዊ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ንግዳዊ ልኡላውነት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ ኹሉ
ድማ ሰላም ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ብውህደት ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ታሪኽ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ፡ ካብቲ ሓደ ወራሪ ባዕሉ ናይ ባርዕ ነጋሪት እናሃረመ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ንጹህ ግዳይ ቀሪጹ ኣብ መጋባእያ ዓለም ዘስምዖ ናይ ሓሶት ዋይዋይታ ንላዕሊ ሕልና ዝ...
21/10/2026

ኣብ ታሪኽ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ፡ ካብቲ ሓደ ወራሪ ባዕሉ ናይ ባርዕ ነጋሪት እናሃረመ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ንጹህ ግዳይ ቀሪጹ ኣብ መጋባእያ ዓለም ዘስምዖ ናይ ሓሶት ዋይዋይታ ንላዕሊ ሕልና ዝፈታተን ዘሕፍር ተግባር የለን። እቲ ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ኣዳራሽ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ዝተላእከ ደብዳበ ድማ፡ ናይዚ ዘመናዊ ናይ ፖለቲካ ምስሉይነት ዝለዓለ ጥርዚ እዩ። እቲ ንዓመታት ምሉእ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ኲናት ጐስጓስ ዘናወጸ፡ ኣብ ባይቶኡ ኮይኑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ብግሁድ ዝደፈረ፡ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ብሓይሊ ከም ዝወስድ ዝፈከረ ስርዓት፡ ሎሚ ሃንደበት “ተወሪረ፡ ብዘይካ ንነብሰይ ምክልኻል ካልእ ኣማራጺ የብለይን” ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ክጠርዕ ክትርእዮ ከለኻ፡ ንታሪኽን ንዓለምለኻዊ ሕግን ብዕሊ ዘላግጽ ዘስካሕክሕ ናይ ዲፕሎማሲ ተዋስኦ እዩ። እዚ ስምዕታ እዚ፡ ንዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ንምድንጋር ዝተዳለወ ናይ ዲፕሎማሲ መጋረጃ እምበር፡ ኣብ ባይታ ዝኾነ ሞራላዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲ እዩ። እቲ ደብዳበ ብጥንቃቐ ዝተሓንጸጸ ናይ ሓሶት መጋረጃ እዩ። ሚኒስተር ጊዲዮን ጢሞትዮስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ካብ ሰላሳ ክሳብ ስሳ ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ክብል ከሎ፡ እቲ መልእኽቲ ሓቂ ንምግላጽ ዝዓለመ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ክእለም ዝጸንሐ ናይ ኲናት ውጥን ሕጋዊ ምስሊ ንምሃብ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ደማዊ ዕንወት ድማ “ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ” ዝብል ናይ ሓሶት ካባ ንምኽዳኑ እዩ።

It is quite embarrassing to see Colonel Abiy Ahmed reading from a teleprompter during his recent appearance on Ethiopian...
21/10/2026

It is quite embarrassing to see Colonel Abiy Ahmed reading from a teleprompter during his recent appearance on Ethiopian television. His remarks were filled with outdated threats of aggression and invasion unless Eritrea agrees to his unrealistic proposals for "sovereign access to the sea" and an "Ethiopian naval presence" in Eritrea's coastal territory. This time, he presented these demands with different justifications and language. Colonel Abiy Ahmed needs to abandon his sectarian policies, which foster division and polarisation. These approaches perpetuate cycles of internal turmoil and contribute to regional destabilisation in the Horn of Africa.

Eritrea's Ambassador to the UN, H.E. Sophia Tesfamariam, engaged in constructive discussions with H.E. Mike Waltz, the P...
21/10/2026

Eritrea's Ambassador to the UN, H.E. Sophia Tesfamariam, engaged in constructive discussions with H.E. Mike Waltz, the Permanent Representative of the United States to the United Nations, and Ambassador Jeffrey Bartos, the U.S. Representative to the UN for Management and Reform. They discussed recent developments in the Horn of Africa, and Ambassador Tesfamariam presented Eritrea’s perspective on the evolving regional situation. She reiterated that there is no "crisis" between Eritrea and Ethiopia and emphasised the need for the international community to pay closer attention to the concerning developments within Ethiopia. The primary issue is for Ethiopia to respect Eritrea's sovereign territories and not divert attention from its domestic challenges. Ambassador Sophia Tesfamariam outlined Ethiopia's three-year-long campaign concerning the Red Sea and its ongoing threats against Eritrea’s sovereignty and territorial integrity, including attempts to annex Eritrean territories. She urged those with influence to use it responsibly and proactively to prevent unnecessary conflict in the region and to avoid making statements that could embolden Ethiopia's leadership. Additionally, she briefed them on Ethiopia’s expulsion of Eritrea’s representatives accredited to the African Union and the UN Economic Commission for Africa, as well as the breakdown of diplomatic relations initiated by Ethiopia and reciprocated by Eritrea. Eritrea’s sovereignty and territorial integrity must be respected. Preventing renewed conflict requires addressing underlying threats, upholding international law, and acting before issues escalate.

20/10/2026

EMN - እቲ ብዙሕ ሰብ ዘይዛረበሉ ዘይተነግረሉ ሓይሊ ኤርትራ - Eritrean Media Networkh...

20/10/2026

ሓፋሽ'ዩ ሃገር ብ ተስፋማርያም ከሰተ - Tesfamariam kesete New Eritrean Video Cl...

*ዓቢ ህዝባዊ ሰሚናር ንኹሎም ተቐማጦ  ከተማታት ዓባይ ብርጣንያ:- * #ማንቸስተር፥  #በርሚንግሃም፥  #ሊድስ፥  #ሸፊልድ፥  #ኮቨንትርይ፥  #ሊቨርፑል፥  #ኖትንግሃም፥  #ኒውካስተል፥  ...
20/10/2026

*ዓቢ ህዝባዊ ሰሚናር ንኹሎም ተቐማጦ ከተማታት ዓባይ ብርጣንያ:-
* #ማንቸስተር፥ #በርሚንግሃም፥ #ሊድስ፥ #ሸፊልድ፥ #ኮቨንትርይ፥ #ሊቨርፑል፥ #ኖትንግሃም፥ #ኒውካስተል፥ ፥ ፥ #ካርዲፍ፥ #ሚድስብራ፥ #ሃርደስፊልድ፥ #ወክፊልድ፥ #ግላስጎ፥ ወዘተ*

ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ከምእውን ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ዘተኮረ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ክካየድ ምዃኑ እናሓበርና ኩሉኹም ኤርትራውያን ነበርቲ እዘን ከተማታት ኣብዚ ሰሚናር ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት ፣ ሰንበት 01/11/2026
ስዓት ፥ 3:00 ድ.ቀ.
ቦታ ፣ 31 SMEDLEY Line
Cheetam Hill
M8 8XB
Manchester

Address

96 White Lion Street
London
N19PF

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when EmbassyMedia posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share