Mihiznet Debit and Credit Association

Mihiznet Debit and Credit Association Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Mihiznet Debit and Credit Association, Shire-Enduslassie, Tigray, Shire.

08/03/2023

TMH ድምፂናን ድምፂ ውፁዓትን ዝዀነት፣
ኣብ ዕሸል ዕድሚኣ ታሪክ ዝሰርሐት ፣ ምስ መሳርሕታ ተጋሩ ዲያስፖራ ኰይና ኣብ ዓለም ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት፣ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ክተኣታቶ ዝገበረት ሚድያ እያ።

TMH ኣብቲ ድቕድቕ ፀልማት መከራ ህዝቢ ትግራይ ብርሃን ክነማዓዱ ዝገበረት ሚድያ እያ። ቀፂሊ እውን፣

TMH ተጋሩ ሓመድ ሊሒሶም ተላዒሎም ኣርሚታት ኣዋቂሮም ፣ ንፀላኢ ዓነውነው እንተ ብልዎ 5ይ ኣርሚ ኰይና ዝተቃለሰት እያ።

TMH እምኒ ዓረ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ጎና ዓሲሎም በቲ ሓደ ገፅ ልዕልና ሞራል ተጋሩ ሓፍ ክብል እንት ሰርሑ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ፣ ብመንግስቱ ጥልመትን ክሕደትን ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ትግራይ ዓለም ከተዳምፆ አገዲዶም እዮም። ኣብዚ ዕዙዝ ብፅሒት ዝነበራ TMH እያ።

ስለዚ TMH ክንዲ ሽሕ ዘይኰነትስ ክንዲ ሚልዮን ኰይና ዝተቓለሰት ልሳን ህዝቢ ትግራይ እያ።
ክንድ ሽሕ ኰይኑ እማ ሓደ ዲያስፖራ ዝተቃለሶ እዩ። ሓደ TDF ዝተቃለሶ እዩ። ሓደ ትግራዋይ ዝተቃለሶ እዩ። ሓደ ጋዜጠኛ TMH (ሃይለ ወይ እስታሊን) ዝተቃለሶ እዩ።

TMH 110 ሚልዮን ዝወከላ አሸሓት ሚድያታት ዓጠምጠም ዘበለት ክንዲ ሚልዮን ሚድያ እያ።

ሰስንልና፤ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ማሕበረ-ሰብ TMH።
ሰ ና ይ ቅ ን ያ ት T. M. H. !!!
----////-----

22/10/2020

All esteemed members of mihiznet debt and credit associations, that is very good dont worry about our the merger to Mizan debit and credit associations.
All the services renders nearby. And we got better chance of borrowing to the extent of we need. And so on.
All members I hope, we will meet with other associations or plc.

Have a great day.

27/06/2020

ክቡራት ኣባላት ምሕዝነት ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር፤
ማሕበርና ናብ ሚዛን ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ምፅምባር ከመይ ትሪእዎ?
እስቲ ሪኢቶ ሃብሉ።
ቅቡል
አይፋል
ብምባል ግለፁ።
ከይዲ ምፅምባር እቲ ማሕበርና ሕድሕድ ኣባል ይዛወረለይ ዝብል ምስ ፀሓፈ ፤ ተፃሕፉ ክዛወር ይግበር እሞ ፤ ድሕሪ 2ተ ወርሒ ልቃሕ ምሕታት ከም ንኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብኣቦ ወንበር ማሕበርና ሹሻይ አረጋይ ምርካብ ይከኣል እዩ።

ሰላም።

ምልክታ!!!~~~ኩልኹም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን አባላት ምሕዝነት ዑቋርን ልቋሕን።ቅድም ኢሉ ከምሓሳብ ዝለዓል ዝነበረ ናብ ባንኪ ናይ ምዕባይ ዕላማና ዘቀላጥፍ ፤ ምስ ሚዛን ዑቋርን ልቃሕን ...
13/03/2020

ምልክታ!!!
~~~
ኩልኹም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን አባላት ምሕዝነት ዑቋርን ልቋሕን።

ቅድም ኢሉ ከምሓሳብ ዝለዓል ዝነበረ ናብ ባንኪ ናይ ምዕባይ ዕላማና ዘቀላጥፍ ፤ ምስ ሚዛን ዑቋርን ልቃሕን ናይ ምፅምባር ፤ /Merger/ በቲ ማሕበር ይለዓል ስለ ዘሎን ሓደ ሓደ አባላትና እውን ሰናይ ድሌት ዘርእዩ አለው እሞ። ምስ ውፅኢታውነት ብመንኡ እንተኸድና የዋፅኣና ዝብል ዘተ ክግበረሉ ንላቦ።

ናብዚ ሚዛን ዑቋርን ልቃሕን ንፀንበር ዝብል ናይቲ ማሕበር ድልየት እንተኾይኑ እንታይ ቅድመ ኩነት ከማላእ ንደሊ ዝብል፤ ምርዳእ ክግበረሉ ይግባእ።

እዚ ማሕበር ብቀረብኡ ክግልገለሉ ዝኽእል ዕድል ከምዘሎ ኮይኑ ተወሳኪ መሰልን ሙቸትን እዚ ማሕበር ዘይቅንሱ ክማልኡ አለዎም ዝበሃሉ ክንሓስበሉ ይግባእ።

ብዘለናዮ ንቀፅል ዝብል እንተኾይኑ ድማ ሰናይ ናይ ዕቤትና መንገዲ ኢልና ምቅፃል ስለ ንክእል ብኩለ መዳይ ሪኢቶ ክትብሉን። ብዝተረኸበ አጋጣሚ ምይይጥ ክግበረሉን ንሓትት።

ምፅምባር ዝካየድ ምልአተ ጉባኤ ምስ ወሰነ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ሰላም ወሰናይ ንኹልከኹም አባላትና!

ሚዛን ዑቋርን ልቃሕን ክትጉብንዩ ትደልዩ አድራሽኡ
አብ fb
Mizan saving and credit
አብ gmail
http//mizansaving.com.pt
ዝብሉ እዮም።

ምልክቱ አብ ታሕቲ ዘሎ እዩ።

07/03/2020

ምሕዝነት ንዕቤት!

ምሕዝነት~~~ምሕዝነት ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተሓቁፍና ንዋታዊ ዓቅምና ነጎልብት። ሕብረት ሓይሊ እዩ ዝብል ካብ ዝግለፀም መንገድታት ሓደ ብማሕበር ተወዲብካ ልፍንታዊ ስራሕ ምስ...
21/01/2020

ምሕዝነት
~~~
ምሕዝነት ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ተሓቁፍና ንዋታዊ ዓቅምና ነጎልብት። ሕብረት ሓይሊ እዩ ዝብል ካብ ዝግለፀም መንገድታት ሓደ ብማሕበር ተወዲብካ ልፍንታዊ ስራሕ ምስራሕ እቲ ዝበለፀ እዩ።
ምሕዝነት ድማ ብዝነአሰ ወለድ ንአባላታ ብምልቃሕ ፀገም አባላት አትፈትሕ ተሓሲባ ዝተጣየሸት ማይክሮ ፋይናንስ ስለዝኮነት ዝዓቅምና ብዕቋር ብዝዓቆርናዮ መጠን በ6ተ ዕፅፊ ብ10% ወለድ ወሲድና ንግልገለላ ትካል እያ።
ንዓቁሮ ገንዘብና እውን ባንኪ ወለድ ዝሕሰበሉ ኮይኑ ፤ ኣብ ዘለናዮ ቦታ ኮይና ብኦንላይን ባንኪ /online banking/ ስለንግልገል ንምስታፉ ቀሊል ይገብሮ። ኣብዝደለኻዮ እዋን ድማ አባልነትካ ምቁራፅ ይከአል እዩ።
ሕዚ ብእንዓቁሮ ውሱን ገንዘብ ድማ ዝያዳ መፃኢ ሂወትና እንዳቅለሎ ይከይድ። ተሓጋጊዝና ሂወትና ምችው ንግበር ዕላማ እዛ ማሕበር እዩ።
ንጠቀመሉ።
ንኩሉኹም አመንቲ ክርስትና ድማ እንኳዕ ናብ በዓል ጥምቀት ብሰላም አብፀሓኩም ንብል።

31/12/2019

Saving is the base of development please be s member to Mihiznet Debit snd Credit association

18/10/2019

To anyone who may concern, Mihznet debit and credit association invite to be a member. You can get different benefits from the association. you welcome and grow together. next will post the rules and regulations and benefits of the members.

20/09/2019

Hello! honored members; do you remember our meeting appointment on 11 September.
You welcome!

ን3ይ ግዜ ፃዊዒት ኣኼባ =================ናብ  ኩልኹም ምሕዝነት ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣባላትን ኣባልነት ትደልዩንማሕበሩ ዕለት 19-12-2011 ዓ/ም ከካይዶ ሓሲ...
08/09/2019

ን3ይ ግዜ ፃዊዒት ኣኼባ
=================
ናብ ኩልኹም ምሕዝነት ዕቋርን ልቃሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣባላትን ኣባልነት ትደልዩን
ማሕበሩ ዕለት 19-12-2011 ዓ/ም ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ጠ/ጉባኤ ብምኽንያት ጠቅላላ ጉባኤ ዘይምምላእ ን3ይ ግዜ ናብ ዕለት 11-01-2012 ዓ/ም ንጉሆ 2:00 ሰዓት ጀሚሩ ብዝተረኸቡ ኣባላት ዝካየድ ምኳኑ እንዳፍለጥና ፡ አብዚ ጠቅላላ ጉባኤ ክትሳተፉ ብኽብሪ ደጊምና ንዕድም።
~~~
ሓደሽቲ ኣባላት አቀዲምኩም ፎርም ኣባልነት መሊእኹም ክፍሊት ምስ ፈፀምኩም ጥራሕ ክትሳተፉ ከምትኽእሉ ነፍልጥ።
ዘህልውና አጀንዳታት
1 ከይዲ ልቃሕ ምሃብን ምጅማርን አፈፃፅምኡን
2 ውሽጠ ደምቢ መምርሒ ተመያይጡ ምፅዳቅ
3 ቁፃር ሰራሕተኛ ዝምልከት ምርድዳእ
4 አመራርሓ ምምዕርራይን ዝምልከቱ
እዮም።
ብድሓን ምፁታ!

21/08/2019

2nd call of Meeting
=================
All honored members; the meeting we arranged on 04-12-2011 E.C hasn't held because of the unfulfillment of the require numbers attendants. Therefore, we like to notice you that the meeting will be held on 19-12-2011 by the members attend at the meeting hall.
remember, no change of agenda that are
1 the starting of loan and its process.
2 May internal regulations affirmation
3 Employment of workers
4 Arrangement of leaders
and the likes.
You welcom!

Address

Shire-Enduslassie, Tigray
Shire

Opening Hours

Monday 09:00 - 17:00
Tuesday 09:00 - 17:00
Wednesday 09:00 - 17:00
Thursday 09:00 - 17:00
Friday 09:00 - 17:00
Saturday 09:00 - 17:00
Sunday 09:00 - 17:00

Telephone

+251914776507

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mihiznet Debit and Credit Association posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Mihiznet Debit and Credit Association:

Share