ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ኣ/ማ - Decsi

Directions Website Contact the business

ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ኣ/ማ - Decsi DECSI: A Base for Brith Future!

Established in 1994 with an initial capital of ETB 5 million, Dedebit Credit & Saving Institution (DECSI) has grown into one of Ethiopia's leading microfinance institutions, with total assets exceeding 21.2 billion.

27/08/2026



መቐለ 21 ነሓሰ 2018 ዓ/ም |:| ብብሕታውነት ስፖንሰር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ክሳለጥ ዝቐነየ ኣሸንዳ ካፕ ተዛዚሙ።

ብደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝተመወለን (ስፖንሰር ዝተገበረ) ተባሂሉ ዝተሰየመን ሸሞንተ ጋንታታት ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ክሳተፋሉ ዝቐነያ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሎሚ መፈፀምታ ረኺቡ ኣሎ።

ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መዛዘሚ ፀወታ ጋንታታት ኵሓን ፍሬንድስን ዘራኸበ ኮይኑ፤ ብዓወት ጋንታ ፍሬንድስ መፈፀምታ ረኺቡ።

ደደቢት ከም ኩሉ ግዘ ሎሚ እውን ዘርኣየቶ ተበግሶ (ብፍላይ ንደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ምቅላልን) ብተመልከቲ፣ ተፃወትን ስፖርተኛታትን ልዑል ኣድናቖት እንትወሃባ፤ ብኮሚሽነራት ድማ ብሒታዊት መዋሊት ብምዃና ፍሉይ ሽልማት ተበርኪቱላ።

ደደቢት ሰረት ብረ መፃኢ!

26/08/2026
ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንበዓል መውሊድ ብሰላም ኣብፀሓኩም ትብል።እዚ በዓል በዓለ ራህዋ፣ ጥዕና፣ ሰላምን ደስታን ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒታ እንዳገለፀት ተ...
25/08/2026

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንበዓል መውሊድ ብሰላም ኣብፀሓኩም ትብል።

እዚ በዓል በዓለ ራህዋ፣ ጥዕና፣ ሰላምን ደስታን ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒታ እንዳገለፀት ተጠቀምቲ ግልጋሎታትና ክትኮኑ ፃውዒታ ተቕርብ።

ደደቢት፡ መሰረት ብሩህ መፃኢ!

24/08/2026

ስነ-ስርዓት ምኽፋት

ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተሓበረ እዚ ፍሉይ ጨንፈር ተሽከርከርቲ (ብፍላይ መኻይን) ንምልቃሕ ዝተኸፈተ ኮይኑ፤ ንናይ ብዙሓት ዓማዊልና ሕቶታትን ድሌታትን ምላሽ ዝሃበ ጨንፈር ኮይኑ ኣሎ።

ዝኸበርኩም ዓማዊልና ኣብ ከተማ መቐለ ሸባ ኮሌጅ ኣብ ዝርከብ ሓዱሽ ጨንፈር ካስትል እንዳመጻኹም ዝደለኽሞ ናይ ተሽከርከርቲ ልቓሕ ግልጋሎት ክትረኽቡ ንዕድም።

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!

ሞባይል ስልኪ ብጥንቃቐ ምሓዝ ንዉሑስ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ (6ይ ዙርያ)ሞባይል ዋኒናት ፋይናንስ ነሳልጠሉ ምስምዃኑ ካብ ስርቅን ካልእ ጥቕዓትን ንሓሉ!ካብቶም ልዑል ጥንቃቐ ዝሓቱ ቀዳማ...
23/08/2026

ሞባይል ስልኪ ብጥንቃቐ ምሓዝ ንዉሑስ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ (6ይ ዙርያ)

ሞባይል ዋኒናት ፋይናንስ ነሳልጠሉ ምስምዃኑ ካብ ስርቅን ካልእ ጥቕዓትን ንሓሉ!

ካብቶም ልዑል ጥንቃቐ ዝሓቱ ቀዳማይ መስመር ምውሓስ ሞባይል ባንኪ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ሓደ ሞባይልና ብዝተፈላለየ መገዲ ከይጠፍእ (ከይስረቕ) ግቡእ ጥንቃቐ ምውሳድ እዩ። ነዚ'ውን ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ናብ ሞባይል ባንኪ መተግበሪ ብምእታው ገንዘባዊ ምንቅስቓስ ከየካይድ ሓደ ፅኑዕ መከላኸሊ ሜላ እዩ።

ንሞባይል ስልኪ ውሑስ ዝኾነ ኣታሕዛን እኹል ጥንቃቐን ክህልወና፤ ንስርቂ ከመቹእ ብዝኽእል መገዲ ዘይምቕማጥ፣ ከምኡውን ከይንታለል ንቑሓት ምዃን የድሊ።

ሞባይል ስልኪ ኩሉ ግዜ ብፅኑዕ ቁፅሪ ወይ ኣሰራርዓ መስመር (PIN /Pattern) ምቑላፍ፣ ምስጢር መሕለፊ ቁፅሪ መተግበሪ ኣዶፐይ (AdoPay) ብፅኑዕ መሕለፊ ምስጢር ቁፅርን ዓሻራ ኣፃብዕትን ምዕፃው። ብፅኑዕ ዝተዓፅወ ስክሪን ንካልኦት ኣሕሊፍና ክሳብ ዘይሃብና ካልኦት ሰባት ናይ ሞባይል ባንኪ መተግበሪ ብቐሊሉ ንክኸፍቱ ኣየኽእሎምን።

ብመተግበሪ ሞባይል ባንኪ ኣዶፐይ (AdoPay) ኣቢልና ዋኒናትና ምስወገና ንጥቀመሉ መተግበሪ ምዕፃው።

ኣዶፐይ (AdoPay) ንጥቀመሉ ሞባይል እንተጠፊኡ ወይ ተተሰሪቑን ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙናን ጊዜ ከይሃብና ብቕልጡፍ ኣብ ቐረባና ናብ ዝርከብ ጨንፈር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ክነፍልጥ ወይ ናብ ነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክንህብ ይግባእ።

ኩልጊዜ ንቑሓት፣ ግዱሳትን ጥንቁቓትን ብምኳን ዓርስና ካብ መጭበርበርቲ ንሓሉ!

ውሑስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንክህሉ ሓላፍነት ኩላትና እዩ!

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!

መቐለ 16 ነሓስ 2018ዓ/ም |:| ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሎሚ ብዓይነቱ ፍሉይ ጨንፈር ኣብ ከተማ መቐለ ንግልጋሎት  ኣብቂዓ።እዚ ፍሉይ ጨንፈር ተሽከርከርቲ (ብፍላይ መኻይን) ንምልቃሕ ዝተ...
22/08/2026

መቐለ 16 ነሓስ 2018ዓ/ም |:| ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሎሚ ብዓይነቱ ፍሉይ ጨንፈር ኣብ ከተማ መቐለ ንግልጋሎት ኣብቂዓ።

እዚ ፍሉይ ጨንፈር ተሽከርከርቲ (ብፍላይ መኻይን) ንምልቃሕ ዝተኸፈተ ኮይኑ፤ ንናይ ብዙሓት ዓማዊልና ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ጨንፈር ኮይኑ ኣሎ።

ስለዝኾነ፤ ዝኸበርኩም ዓማዊልና ኣብ ሸባ ኮሌጅ ኣብ ዝርከብ ሓዱሽ ጨንፈር ካስትል እንዳመጻኹም ግልጋሎት ክትረኽቡ ንሕብር።

ብዛዕባ እዚ ሓዱሽ ጨንፈር ዝርዝር ሓበሬታታት ክንህብ ኢና።

22/08/2026

እንኳዕ ኣብፀሐና!

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ንኹልኹም ተኸተልቲ ሃይማኖቶ ክርስትናን ሰብ ዋና እዚ በዓል ዝኾንክን ደቂ ኣንስትዮን እንኳዕ ንበዓል ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ፀሞረይ ኣብፀሐክን ኣብፀሐና ትብል።

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ፀሞረይ 2018 ዓ/ም።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

 መቐለ 14 ነሓሰ 2018ዓ/ም |:|  ብደደቢት ብሕታዊ ስፖንሰርነት ደደቢት ኣሸንዳ ካፕ ይሳለጥ ኣሎ።ብደደቢት ዝተመወለን (ስፖንሰር ዝተገበረ)   ተባሂሉ ዝተሰየመን ሸሞንተ ጋንታታት ኩዕሶ...
20/08/2026



መቐለ 14 ነሓሰ 2018ዓ/ም |:| ብደደቢት ብሕታዊ ስፖንሰርነት ደደቢት ኣሸንዳ ካፕ ይሳለጥ ኣሎ።

ብደደቢት ዝተመወለን (ስፖንሰር ዝተገበረ) ተባሂሉ ዝተሰየመን ሸሞንተ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ክካየድ እዩ።

መኽፈቲ ፀወታ ብግጥማት ጋንታታት ኵሓን ባሎንን ዝተጀመረ ኮይኑ፤ 5ን3 ብዝኾነ ውፅኢት ጋንታ ኵሓ ኣሸናፊ መኽፈቲ ፀወታ ኮይና።

ውድድር ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ክቕፅል እዩ።

Address

Hawelti Semaetat
Mekelle
7000

Opening Hours

Monday 08:00 - 17:30
Tuesday 08:00 - 17:30
Wednesday 08:00 - 17:30
Thursday 08:00 - 17:30
Friday 08:00 - 17:30
Saturday 08:00 - 17:30

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ኣ/ማ - Decsi posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቓሕን ኣ/ማ - Decsi:

Shortcuts

Share