Adeday Micro Finance S.C. ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • Adeday Micro Finance S.C. ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ

Adeday Micro Finance S.C.   ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ Adeday Micro Finance S.C. is established on June 24,2014 to operate in Tigray National Regional State

ኣብ ዘፈር ማይክሮ ፋይናንስ ሃገርና ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ምግባር ማለት ሓደጋታት ምሕደራ ገንዘብ ንምንካይን መብዛሕቲኦም ዓማዊልና ካብ ዋና ከተማ ዝረሓቑን ግልጋሎት ባንክታት ኣብ ዘይብሎ...
20/03/2026

ኣብ ዘፈር ማይክሮ ፋይናንስ ሃገርና ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ምግባር ማለት ሓደጋታት ምሕደራ ገንዘብ ንምንካይን መብዛሕቲኦም ዓማዊልና ካብ ዋና ከተማ ዝረሓቑን ግልጋሎት ባንክታት ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ገጠርን ስለዝርከቡ ንምችውነት ዓማዊል ኣብ ምምሕያሽን ወሳኒ እዩ።
ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂ ንቁጠባዊ ዕብየት ንምውህሃድ መንግስቲ ዲጂታላዊ ትልሚ ዓሰርተ ዓመት ሓንፂፁ እናተግበረ ይርከብ። ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ንሕ/ሰብና ኣገደስቲ ኮይነን ንኽቕፅላ ኣብ ምዕባለን ተበፃሓይነትን ቴክኖሎጂ ኣትዂርና ክንነጥፍ ይግባእ።
ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ቴክኖሎጂ ኮር ባንኪንግ ሶሉይሽን ኣብ ኩለን 56 ጨንፈራት ብምትእትታው (እተን ዝተረፋ 6 ጨንፈራት ግና ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ስለዝርከባ) ኩለን ጨንፈራትና ተራኺበን ቕልጡፍን ፅፉፍን ግልጋሎት ልዕሊ ምሃበን ምስ ባንክታት ብRTGS ኣቢልና ንምርኻብ ክኢልና ኣለና።
ኣብ ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂ ምዕባይ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ስለዝጠልብ ሰራሕተኛታት ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ በቢጊዚኡ ዓቕሞም ከዕብዩ ስለዝጠልብ ኣብ ጨንፈር ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንከዕብዩ መዓልታዊ ካብ ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ብተወሳኺ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናተፀውዑ ስልጠና እናወሰዱ ይርከቡ። ብሶኑይ ዕለት 07 መጋቢት 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ኮር ባንኪንግ ብዋናነት ኣብ ስራሕቲ ልቓሕን ፋይናንስን ብተደራቢ ዝሰልጠኑ 19 ስራሕ መካየድቲ ጨንፈር፣ ክኢላታት ልቓሕን ግልጋሎት ዓማዊልን ሎማዓንቲ ስልጠነኦም ይውድኡ ኣለው። እዚ ዝወሰድዎ ስልጠና ኣብ ቐፃላይ ስርሖም ዓቢዪ ሓገዝ ከምዝህልዎ ተስፋ ብምግባር እቲ ዝተወሰደ እኹል ስለዘይኮነ ሰልጠንቲ ንክትመልኽዎ ግና መዓልታዊ ምልምማድ ግበሩ ዝብል መልእኽትና እዩ። ሰናይ ቅነ

ዒድ ሙባረክ!ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ንመላእ ኣመንቲ እስልምና እንኳዕ ንመቀል 1447 በዓል ዒድ ኣልፈጥሪ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና  ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንት...
19/03/2026

ዒድ ሙባረክ!

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ንመላእ ኣመንቲ እስልምና እንኳዕ ንመቀል 1447 በዓል ዒድ ኣልፈጥሪ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ዝብል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንትትገልፅ ብልዑል ታሕጓስ እዩ። እዚ በዓል ሰላምን ርግኣትን፣ ጥዕናን ሓድነትን ሒዙልና ክመፅእ ትምኒትና እዩ።
ኣደዳይ ማእገር ህዝቢ ትግራይ!!!

መግለፂ ሓዘን ካብ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይከንቲባ እንትጮ ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።ከንቲባ ከተማ እንትጮ ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ወልደሩፋኤል ሃንደ...
17/03/2026

መግለፂ ሓዘን ካብ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ

ከንቲባ እንትጮ ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ከንቲባ ከተማ እንትጮ ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ወልደሩፋኤል ሃንደበት ኣብ ቢሮ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣኽሱም ክሕከም ድሕሪ ምፅናሕ ብዘሕዝን መልክዑ ትማሊ ዕለት መጋቢት 07/2018 ብሞት ተፈልዩና ኣሎ።

ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው፣ ዝተውሃቦ ውድባውን መንግስታዊን ሓላፍነት ብብቕዓት፣ ተኣማንነትን ዉፍይነትን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዘገልገለን ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየደን ተጋዳላይ ከምዝነበረ ድሕረ ታሪኽ ሂወቱ ይገልፅ።

ቦርድ ዳይሬክተራት፣ ማኔጅመንት ኣባላትን መላእ ሰራሕተኛታት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ብመስዋእቲ ከንቲባ እንትጮ ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ዝተሰመዐና ኣዝዩ መሪርን ዓሚቑን ሓዘን እናገለፅና ንመላእ ስድራን ፈተውትን ፅንዓት ይሃብኹም።

ንስውእ ሓውና ተጋዳላይ ሃይለ ኣስፋው ድማ መንግስተ ሰማይ የውርሰልና።

ዝተኻየደ ውዕሊ ስምምዕነት ብፎቶ
16/03/2026

ዝተኻየደ ውዕሊ ስምምዕነት ብፎቶ

ኣብ ክልል ትግራይ ብማይክሮ ፋይናንስ ክንንቀሳቀስ ዝተጣየሽና ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ሓቢርኻ ንምስራሕ ሕዚ ውዕሊ ስምምዕነት እናፈረምና ንርከብ።እዚ ኣብ መንጎ ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ደደ...
16/03/2026

ኣብ ክልል ትግራይ ብማይክሮ ፋይናንስ ክንንቀሳቀስ ዝተጣየሽና ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ሓቢርኻ ንምስራሕ ሕዚ ውዕሊ ስምምዕነት እናፈረምና ንርከብ።
እዚ ኣብ መንጎ ትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት፣ ኣደዳይ፣ ልደታ፣ ሰሜንን ምድረ ግእዝን ዝካየድ ዘሎ ውዕሊ ስምምዕ ኣብ ቴክኖሎጂ(ሞባይል ባንኪንግ፣ ምሕደራ ሜላ ሓበሬታ፣)፣ ባዕልኻ ንባዕልኻ ንምልቕቓሕን ናይ ሓባር ሃፍቲ ንምውናንን ዝዓለመ እዩ።

ንመላእ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እንኳዕ ብብርኪ ዓለም ንመበል 115  ብትግራይ ድማ ንመበል 50 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ዓላም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም  (ማርች 8) ብሰላም ኣብፀሐክን።ማሕ...
08/03/2026

ንመላእ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እንኳዕ ብብርኪ ዓለም ንመበል 115 ብትግራይ ድማ ንመበል 50 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ዓላም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም (ማርች 8) ብሰላም ኣብፀሐክን።
ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብኢኮኖሚ ተጠቀምትን ተረባሕትን ንምግባር ቅድሚ 11 ዓመታት ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሕታዊት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማይክሮ ፋይናንስ ኮይና እያ ተጣይሻ።
ኢኮኖሚ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ንምባል ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት ብዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ኣዎንታዊ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ንኩሉ ክፋል ሕ/ሰብ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምሃብና ትካልና ንተጋሩ ኣማራፂት ትካል ፋይናንስ ካብ ትኸውን ዓመታት ኣቑፂራ እያ።
ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልልና ኣንፀላልዩ ብዘሎ ደበና ኲናት ልክዕ ኣብ ካልኦት ትካላት ፋይናንስ ኣጓኒፎም ዘለው ፀገማትን ብድሆታትን ኣብ ትካልና እውን የጓንፍ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ነዚ በዲህካ ንምውፃእ ካብ ኩልና ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፍሉይ ፃዕርን ምህዞን የድሊ እናበልና ክቡራት ዓማዊልና ድማ እቲ ፀገም ናይ ኩሉ ተጋሩ ስለዝኾነ ኣካል እቲ መፍትሒ ክትኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቕርብ።
ደጊምና እንኳዕ ንመዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም (ማርች 8) ብሰላም ኣብፀሐኩምን ኣብፀሐና ንብል።
ኣደዳይ ማእገር ህዝቢ ትግራይ!!!

05/03/2026

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ኣብ እተህንፆ ዘላ 2B+G+10 ህንፃ ሎማዓንቲ ዝነበረ ውዕሎ ልምዓት ብካሜራና ዘትረፍናዮ እዩ።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ፀዋር ኩነታት እውን እንተኾነ ፕሮጀክታት ኣብ ምቕፃል ትርከብ። ኣብ ከተማ ዓቢዪ ዓዲ ዝርከብ ህንፃ ኣብዚ ምስሊ ከምዝረአ ቀዳማይ ደብሩ ተደብዲ...
24/02/2026

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ፀዋር ኩነታት እውን እንተኾነ ፕሮጀክታት ኣብ ምቕፃል ትርከብ። ኣብ ከተማ ዓቢዪ ዓዲ ዝርከብ ህንፃ ኣብዚ ምስሊ ከምዝረአ ቀዳማይ ደብሩ ተደብዲቡ ኣሎ። (ፎቶ ብፀጋዘኣብ ገ/መስቀል ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር ዓቢዪ ዓዲ )

ህንፀት ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ናህሪ ይርከብ። ትማሊ 26 ጥሪ 2018 ዓ/ም ዝተስኣለ
04/02/2026

ህንፀት ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ናህሪ ይርከብ። ትማሊ 26 ጥሪ 2018 ዓ/ም ዝተስኣለ

03/02/2026

ብድምፂ ወያነ ትግራይ ዝቐረበ ዜና ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ጨንፈራት ዝተኻየደ ገምጋም

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ፍሉይ መፀውዒ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ (ማይ ገበል) ኣብ ዝርከብ ብሊዝ ዝተረከበቶ መሬት ብልዕሊ ብር ...
02/02/2026

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ፍሉይ መፀውዒ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ (ማይ ገበል) ኣብ ዝርከብ ብሊዝ ዝተረከበቶ መሬት ብልዕሊ ብር 426 ሚልዮን ብዓል 10 ደብሪ ንምስራሕ ስራሕቲ ኳዕቲ ህንፃ ተጀሚሩ።

ምልክታ ፃውዒት ፈተና
02/02/2026

ምልክታ ፃውዒት ፈተና

Address

Tigray
Mekelle

Telephone

+251914707952

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Adeday Micro Finance S.C. ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Adeday Micro Finance S.C. ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ:

Share