31/07/2026
ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ክልልና ዘጋጠመ ቅልውላው ፖለቲካ ተፃዊራ ኣብ 2018 ዓ/ም ልዕሊ 400 ሚልዮን ልቓሕ ከምዝሃበት ገሊፃ።
እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ኣፈፃፅማ ራብዓይ ርብዒ ዓመት 2025/2026 ሒሳብ ዓመት ትማሊ ምስ ስራሕ መካየድቲ ክላስተር መቐለ ኣብ ዘካየደቶ ገምጋም እዩ።
ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 700 ሚልዮን ብር (700,450,000.00 ብር) ን9,810 ዓማዊል ልቓሕ ንምሃብ ትልሚ ተታሒዙ ፍፃመኡ ልዕሊ 400 ሚልዮን ን1,324 ተጠቀምቲ ልቓሕ ተዋሂቡ። እዚ ኣፈፃፅማ ክትሕት ዝኸኣለ ኣብ ክልልና ብዘሎ ቅልውላው ፖለቲካ ሕ/ሰብ ኣብ ባንክታት ዝዓቆሮ ገንዘብ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወሃቦ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ትካላት ፋይናንስ ብሓፈሻ ኣመኔታ ብምስኣኑ ኣብ ገዝኡ ይዓቁር ስለዘሎ እቲ ቀንዲ ኮይኑ ትካል ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ዘካየደቶ መሰረታዊ ለውጢ ዋንነት ኣብ ብዓል መዚ ካፒታል ማርኬት ኢትዮጵያ ብጊዚኡ ተመዝጊባ መሸጣ ኣክስዮን ክተካይድ ብዘይምኽኣላ እዩ። ካሊእ ተኸታታሊ ምልመላ ዘይምክያድ፣ ኣብ ሓፀርትን ሓደሽትን ልቓሕቲ ትኹረት ሂብካ ናይ ምፍላጥን ምልዕዓልን ስራሕቲ ዘይምስራሕ፣ ክምለስ ዝግብኦ አምሊስኻ ዕቋር ኣኪብኻ ጠለብን ቀረብን ክመጠጠን ዘይምግባር፣ ዝተወሃበ ትልሚ/መደብ ምስ መዳርግቲ ተሓጋጊዝኻ ዘይምስርሑ ወዘተ ኣብ ልቃሕ ምሃብን ተለቃሕቲ ምፍራይን ድኽመት ምህላው'አይተሰርሐን
ትካልና ካብ ዝተጣየሸትሉ ግዜ ጀሚራ 2,339,664,119.95 ብር ን60,183 ዓማዊል ልቃሕ ዝሃበት ኮይና ካብ ዝተውሃበ ልቓሕ እቲ 69.27%ንደቂ ኣንስትዮ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ካብ ትካል ዝተረኸበ መረዳእታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።