Rielf society of tigray

Rielf society of tigray Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Rielf society of tigray, Mekelle.

I remember for all
05/02/2023

I remember for all

12/06/2020

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ምስ ልምዓታዊ ተራደኦ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ብምዃን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰሪሓ ሒዚ እውን ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ጣብያ ዓዲሓ ካብተን ማረት ብርክት ዝበለ ስራሕቲ ልምዓት ብፍላይ ከዓ ልምዓት ፍረ ምረ ዝሰረሐትለን ጣብያታት ሓንቲ እያ። ቆላ ተምቤን ከባቢ 148, 802 በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኮይና ካብ እቲ ከባቢ 27, 385 ህዝቢ ኣብ መደብ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ዝተሐቖፈ እዩ። መደብ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ብዙሓት ንጥፈታት ዝሓዘ እንትኾን ስራሕቲ ዘበናዊ መስኖ ሓደ እዩ። ጣብያ ዓዲሓ ልዕሊ 798 ሄክታር ብመስኖ ዝለምዐ መሬት ዘለዋ ኾይና ካብዙይ ልዕሊ 490 ሄክታር ብፍረ ምረ ዝተሸፈነ እዩ።

ኣብ ዓዲሓ ማረት ኣብ ዘተኣታተወቶ ልምዓት ፍረ ምረ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ካብ ድኽነትን ተሓጋዛይነትን ብምልቓቕ ብምግቢ ዓርሶም ካብ ምኽኣል ሓሊፎም ሃፍተ ገነት ብምዕቛር መፃኢኦም ብሩህ ገይሮም እዮም።

ሃለቃ ገ/ስላሴ “ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብዚ ልምዓት ፍረ ምረ ብምውፋር መኪና ገዛን ካልኦት ንብረታትን ኣጥረዮም እዮም። እዚ ውፅኢት ማረት ዝኾነ ልምዓት ድማ እናመስገኑ ይርከቡ። ኣነ ድማ ተመሳሳሊ ለውጢ ከምፅእ ትልሚ ኣውፂአ ይሰረሕ ኣለኹ። ኣብዙ መደብ ዝተሓቖፈ ለውጢ ዘየምፅአን ናብርኡ ውሑስ ዘይገበረን ዳርጋ የለን።”

Over 20 years ago REST introduced our USAID supported development activities into Adiha; a town located in the district of Kola Tembien, central Tigray. The district has a population of 148,802 of which 27,385 people are PSNP beneficiaries. Our PSNP includes various activities and projects such as irrigation development. Adiha has over 798 hectares of irrigable land of which 491 hectares is covered by fruits🍊🥭
Beneficiaries who engage in fruit development have been able to progress from being relief supported and extremely poor to achieving food security and gain financial growth to sustain a brighter future.

Haleqa Gebreselassie “There are some people who were able to purchase a car… build houses and now thanks to REST … we plan to do the same… there isn’t anyone who hasn’t benefited from the program and changed their life for the better.”

????????
20/05/2020

????????

14/02/2020

ማረት ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር
ስራሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ወጊና

ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 450 ናቑጣታት ማይን ሰለስተ ዝርገሐ መስመር ማይን ብምውጋን ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ከም ዝገበረት ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣፍሊጣ።

ኣብ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ተጠባባቒ ዳሬይክተር ዝርግሐ ገፀር መስተ ማይ ኣይተ የማነ በላይ ኣብታ ትካል ዘሎ ስራሕቲ ማይ ኣመልኪቶም ንጋዜጣ መቓልሕ ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከም ዝበልዎ፤ ተበፃሕነት መስተ ማይ ኣብ ኩለን ገፀር ወረዳታት ትግራይ ንምርግጋፅ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ራሕቒ 25 ሌትሮ ማይ ክረኽብ ብምግባር ተደራራቢ ፃዕቂ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅናስ፣ ጥዕንኡ ዝሓለወ መፍረያይ ዜጋ ምፍጣርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሕፅረት ማይን ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ካልኦት ፀገማትን ምፍታሕን ዝብሉ ዕላማታት ብምሓዝ እታ ትካል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ማይ ኣብ ምውጋን ትርከብ።

ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ከም ኩነታቱ ብፀሓይ ወይ ድማ ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ግልጋሎት እንትህባ ኣብ ኢድ ዃዕትን ማእኸለዎት ጎዳ ጉድን ድማ ብኢድ ዝሕቆን (ሃንድ ፓምፕ) ቴክኖሎጂ ዝጥቀማ ምዃነን ዝገለፁ እቶም ተጠባባቒ ዳሬይክተር፣ እዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ዝተመረፀ ድማ ብሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክፅገን ዝኽእል ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

እተን ዝተኹዓታ ጎዳጉዲ በቢ እዋኑ ዝሰርሓ ዘለዋ ምዃነን ንምቁፅፃር ዘኽእል “ሴንሰር” ዝበሃል ቴክኖሎጂ ተገጢሙለን እዩ ዝበሉ ኣይተ የማነ፣ እዚ ድማ ነተን ጎዳጉዲ ንምኹዓት ዝሓገዙ ገበርቲ ሰናይ ንክከታተልወን ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ የማነ፤ ድሕሪ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ 10 ሽሕ 500 ናቑጣታት ማይ ተሃኒፆም ብፍላይ እተን ልዕሊ 8 ሽሕ ናቑጣታት ማይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ተሰሪሐን ኣብ ግልጋሎት ብምዉዓል ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ተጠቃሚ ከምዝኾነ ኣይተ የማነ ኣገንዚቦም።

ሕ/ሰብ እተን ጎዳጉዲ ብኣግባቡ ሒዙ ንነዊሕ እዋን ኣብ ረብሓ ከውዕለን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ የማነ፣ ካብቶም ተጠቀምቲ በቢ እዋኑ ንመፀገኒ ዝኸውን ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ኣብ እዋን ምብልሻው ብህፁፅ ብምፅጋን መሊእኻ ናብ ረብሓ ምውዓል ይግባእ ኢሎም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 4 ለካቲት 2012 ዓ/ም

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Rielf society of tigray posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share