ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ Fana Youth SACCO

Directions Website

ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ Fana Youth SACCO Fana Youth SACCO is a saving and credit cooperative operating throughout Tigray. Since its establishm

መን ይንገር . . . ፋና - ህይወት መናእሰይ
01/08/2026

መን ይንገር . . . ፋና - ህይወት መናእሰይ

መን ይንገር . . . ፋና - ሂወት መናእሰይ

̔ ከምዚ እየ ዝገልፆ ̕ - ብማህደር ካሕሱ
01/08/2026

̔ ከምዚ እየ ዝገልፆ ̕ - ብማህደር ካሕሱ

̔ ከምዚ እየ ዝገልፆ ̕ ብማህደር ካሕሱ

1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ፋና መናእሰይ ንኣባላታ
01/08/2026

1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ፋና መናእሰይ ንኣባላታ

1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ፋና መናእሰይ ንኣባላታ

ዜና ፋና1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ፋና መናእሰይ ንኣባላታፋና መናእሰይ ኣብ 2018 ዓ.ም ን4762 ኣባላት 1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበት ኣፍሊጣ።ሓላፊ ክፍሊ ልቓሕ ፋና መናእሰይ ጎይተኦ...
01/08/2026

ዜና ፋና
1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ፋና መናእሰይ ንኣባላታ

ፋና መናእሰይ ኣብ 2018 ዓ.ም ን4762 ኣባላት 1.5 ቢልየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበት ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ክፍሊ ልቓሕ ፋና መናእሰይ ጎይተኦም ንጉስ ከምዝበሎ ፋና መናእሰይ ሎሚ ዓመት ረቋሕታት ልቓሕ ንዘማልኡ ኣባላት ፋና መናእሰይ 1.5 ቢልዮን ልቓሕ ሂባ እያ ኢሉ።

ፋና መናእሰይ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝሃበቶ ልቓሕ ን327 ኣብ ንኡስ ጨንፈራት ዘለው ኣባላት 61.1 ሚልዮን ብር ከምዝተውሃበ ጎይተኦም ንጉስ ሓቢሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እውን ፋና መናእሰይ ንመጠናኸሪ ማሕበራት ተባሂሉ ን 13 ማሕበራት ልዕሊ 20 ሚልዮን ብር ብምልቃሕ߹ ፋና መናእሰይ 6ይ ዓለምለኸ መትከል ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ተተግብር ከምዘላ ሓቢሩ።

ፋና መናእሰይ ብመሰረት ኣብ 2018 ዓ.ም ብፉሉይ ኣብ ልምዓት ገጠር ንምንጣፍ ዝሓዘቶ ስትራተጂ ብፍላይ ኣብ መብራህቲ ሶላር ንሓረስቶት߹ ን ፓምፕ ማይን ትራንስፎርመርን መዐደጊ ሓዊሱ ን288 ኣባላት ልዕሊ 8.6 ሚልዮን ብር ልቓሕ ሂባ እያ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምርባሕ ደርሁ߹ ኣላሕም ፀባን ካልኦት ስራሕቲ ሕርሻ ንዝተዋፈሩ 483 ኣባላት ልዕሊ 41.9 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከምዝተውሃበ ሓላፊ ክፍሊ ልቓሕ ፋና መናእሰይ ጎይተኦም ንጉስ ኣረዲኡ።

ፋና መናእሰይ ኣብ 2018 ዓ.ም ንኣባላታ ካብ ዝሃበቶ 1.5 ቢልዮን ልቓሕ እቲ 668 ሚልዮን ብር ኣብ ዋና ጨንፈር ፋና መናእሰይ መቐለ ንዘለው ኣባላት ከምዝተውሃበ እውን ተገሊፁ እዩ።

ዕቋር ፋና ንዘላቂ ኢንቨስትመንት!

ጥረ ሓቂ - ልቓሕ ጨናፍር ፋና መናእሰይ 2018 ዓ.ም
31/07/2026

ጥረ ሓቂ - ልቓሕ ጨናፍር ፋና መናእሰይ 2018 ዓ.ም

ጥረ ሓቂ - ልቓሕ ጨናፍር ፋና መናእሰይ 2018 ዓ.ም

ሃገረ ሞዛምቢክ ን10 ሽሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናብ ስሩዕን ሕጋዊ መንገዲን ዘእቱ ትልሚ ዕላዊ ገይራ።ሃገረ ሞዛምቢክ ን1.5 ሚልዮን ብሕጊ ዘይተመዝገቡ ነጋዶ፣ ብ 2046 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ...
31/07/2026

ሃገረ ሞዛምቢክ ን10 ሽሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናብ ስሩዕን ሕጋዊ መንገዲን ዘእቱ ትልሚ ዕላዊ ገይራ።

ሃገረ ሞዛምቢክ ን1.5 ሚልዮን ብሕጊ ዘይተመዝገቡ ነጋዶ፣ ብ 2046 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ድማ ን500 ሽሕ ወገናት ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን 10 ሽሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናብ ስሩዕን ሕጋዊ መንገዲን ዘእቱ ትልሚ ዕላዊ ገይራ።

ዲጅታል ጋዜጠኛን ኣራሚ ፅሑፍን ዜናታት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዝኾነ ማይልስ ሃድፊልድ ሓምለ 10/2018 ዓ.ም ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት(PNDC) መንግስቲ ሞዛምቢክ፣ ክሳብ 2046 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 10 ሽሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናብ ሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዋሉ መንገዲ ዕላዊ ከምዝገበረ ገሊፁ።

እቲ ክሳብ 2046 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ንልዕሊ 1.5 ሚልዮን ብሕጊ ዘይተመዝገቡ ነጋዶ ዝሓቁፍን ፍርቂ ሚልዮን ወገናት ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ትልሚ፣ ኣብ ኢንዲስትርን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝምረቱ ኣቁሑትን ትኹረት ዝገብር ኮይኑ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ንዝተዋፈሩ ኣካላት ዝጠቅም እዩ።

እቲ ሞዛምቢክ ተሊማቶ ዘላ ንኩሉ ማሕበረሰብ ዝሓቁፍን ብፍላይ ድማ ናይዚ ትልሚ 46 ሚኢታዊ ተጠቀምቲ መናእሰይ ከምዝኾኑን 35 ሚኢታዊ ኣመራርሓ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ድማ ደቂኣንስትዮ ክኾና ዝዓለመ እዩ።

ሚኒስትር ካውንስል እታ ሃገር እዚ ትልሚ ኣጠቃላሊ ሕጊ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ፓሊሲን ስትራተጅን ኢንዲስትሪ፣ ሕጊ ውሽጢ ዓዲን አጠቓላሊ ሕጊ ኣናእሽተይን ደቀቕትን ንግዲ ትካላትን ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ እዩ።

መንግስታዊ ሴክተራት ከም ሕርሻ፣ ሃፍቲ ዓሳ፣ ልምዓት ደኒን መዓድንን ነተን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምስ ዓበይቲ መንግስታዊ ፕሮጀክታት ንምትእስሳር ክፅዕራ ከምዘለወን ተገሊፁ።

እቲ ትልሚ ማእኸላት ምህርቲ ምልማዕ፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዝመርሐኦ ኢንዳስትሪ ፓርክ ክህሉ፣ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዘሎ ርክብ ምጥንካርን ናይ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኢንዳስትሪ ፓርክ ምትብባዕን ዝብሉ ተግባራት ዘካተተ እዩ።

ዜና ፋና''ምስ ሓረስታይ ምውዓል ጥዑም እዩ''ኣብ ወረዳ ዛና  MCMDO ዝተባሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል  ን3 ጣብያታት  ኮሚቴታት ፅገና ማይ ሓረስቶት ስልጠና  እንተሳልጥ ሰራሕተኛ ፋና መናእሰ...
31/07/2026

ዜና ፋና

''ምስ ሓረስታይ ምውዓል ጥዑም እዩ''

ኣብ ወረዳ ዛና MCMDO ዝተባሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ን3 ጣብያታት ኮሚቴታት ፅገና ማይ ሓረስቶት ስልጠና እንተሳልጥ ሰራሕተኛ ፋና መናእሰይ ወረዳ ዛና እውን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ነይሩ። ኣተሓባባሪ ፋና መናእሰይ ጨንፈር ዛና ግደይ ኣብርሃ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ብዛዕባ ንሓረስቶት እትህቦም ግልጋሎታት መብርሂ ሂቡ። ብተወሳኺ እውን ሓረስቶት ተጠቀምቲ ማይ ቡንቧ ኣብ ፋና መናእሰይ ክዓቑሩን መፀገኒ እንትውሕዶም ድማ ክልቅሑ ከም ዝኽእሉ ገሊፁሎም እዩ።

ምስዚ ፋና መናእሰይ ንሓረስቶት ካብ ትህቦም ግልጋሎታት ልቓሕ ሓደ ግልጋሎት ሶላርን ዓይነታት ሶላርን ኣብርሂሎም። ነዚ መብርሂ ፋና መናእሰይ መሰረት ብምግባር ድማ ሓላፊ ኢነርጂ ወረዳ ዛና በሪሁ ገ/እግዚሃር ሓረስቶት ዛና ሶላር ንመብራህቲ ይኹን ንመስኖ ክጥቀሙ ከምዘለዎም ገሊፁሎም።

ድሕሪ እቲ መብርሂ ጥቕሚ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ኣብ ግምት ዘእተው ሓረስታይ ናብ ፋና መናእሰይ ጨንፈር ዛና ኸይዶም ተወሳኺ ዝርዝር ሕቶታት ግልጋሎታት ፋና ሓቲቶም ድሕሪ ምርዳእ ስሩዕ ዕቋር ወርሓዊ ብ5 ሽሕ ብር ናይ ሓደ ዓመት 60 ሽሕ ካብኡ ብተወሳኺ እውን ብድሌት ዕቋር 26 ሽሕ ብድምር 86 ሽሕ ብር ዓቑሮም። ኣተሓባባሪ ፋና መናእሰይ ጨንፈር ዛና ግደይ ኣብርሃ ድማ ነታ ካብ መሪሕነት ፋና ሰሚዐያ ዝበላ ''ምስ ሓረስታይ ምውዓል ጥዑም እዩ'' ትብል ኣበሃህላ ብዝበለፀ ከምዘስተማቐራ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁልና።

ፍልፍል፦ኣተሓባባሪ ፋና መናእሰይ ጨንፈር ዛና ግደይ ኣብርሃ

ዕቋር ፋና ንዘላቂ ኢንቨስትመንት!

ልዕልና ኣተሓሳስባ ኣብ ፋና
30/07/2026

ልዕልና ኣተሓሳስባ ኣብ ፋና

ልዕልና ኣተሓሳስባ ኣብ ፋና

መን ይንገር . . . ፋና መናእሰይ ከም ገዛይ
30/07/2026

መን ይንገር . . . ፋና መናእሰይ ከም ገዛይ

መን ይንገር . . . ፋና መናእሰይ ከም ገዛይ

ዕብየት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፋና ኩለመዳይ
30/07/2026

ዕብየት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፋና ኩለመዳይ

ዕብየት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፋና ኩለመዳይ

Address

Mekelle
1493

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ Fana Youth SACCO posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share