31/05/2026
መድረኽ ምኽክር ኣባላት ፋና መናእሰይ ዋና ጨንፈር መቐለ
መበል 12 ዓመት ምስረታ ፋና መናእሰይ ተጎዛጊዙ ልዕሊ 600 ኣባላት ዝተሳተፍሉ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትሽዓት ኣዋርሕን፣ ቐፃሊ ዕማማት ፋና መናእሰይን ዘድሃበ ምኽክር ተሳሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ግንቦት 23/2018 ዓ.ም ዝትኻየደ ምኽክር ፀብፃብ ዘቕረበ ማናጀር ዋና ጨንፈር መቐለ ብርሃኑ ታፈረ፣ ኣብ ኣገልግሎታት ዕቋርን ልቓሕን ዝነበሩ ንጥፈታት ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ ብፍላይ ምስ ምምላስ ልቓሕ ተኣሳሲሩ ውዝፍ ልቓሕ ኣብ ምምላስ ዘሎ ፀገማት፣ ፋና መናእሰይ ዝግባእ ልቓሕ ንኣባላት ከይትህብ ዓንቃፊ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ልቓሕ ክወስዱ ዝግብኦም ኣበላት ብዝግባእ ክተኣናገዱ ውዝፍ ልቓሕ ዘለዎም ወገናት ልቐሖም ብምምላስ ግብኦም ክፍፅሙ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
“ዕቋር ባህ ኣብ ዝበለካ እተቐምጦ እንተይኾነስ በቢመዓልቱ ተሊምካ ብምሕሳብን ወርሒ ወርሒ ብምዕቋርን ፅባሕ ስራሕ ክጅምረሉ እየ ኢልካ ናብ ዝዓበየ ኢንቨስትመንት ብምእማትን ዝፍፀም መንገዲ ምዕባለ እዩ፣ ዕቋር ብዝሰሰነ ቑፅሪ ድማ ባህሊ ምምላስ ልቓሕ ይዓቢ። ኣብ ፋና ዘሎ ኣገልግሎት ልቓሕ ብመስርሕ እምበር ብግበረለይ ወይ ብብላዕ ምውሳድ ፈፂሙ ዘይሕሰብ እዩ” ዝበለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና መናአሰይ ጎይትኦም ተስፋይ፣ ፋና መናእሰይ ቕድሚ ኲናት ዝነበራ 23% ብፅሒት ዕዳጋ ድሕሪ ኲናት ናብ 32% ከምዘዕበየት፣ ኣብዝሕዚ እዋን ማእኸል ተሞክሮን መፅናዕቲን፣ ሕግታት ክመሓየሹ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣርን ከም ዘላ ድሕሪ ምብራህ፡-
“ፋና መናእሰይ ንፅልግልግ መድረኻት ጋሊሃ ኣብ መበል 12 ዓመት ምሰረታኣ ሓዱሽ ስነ-ምህዳር ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝፈጥሩ፣ ትንሳኤ ትግራይን ተጋሩን ዘረጋግፁ 12 ዓበይቲ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ሕርሻ፣ ኮንስትራክሽንን ኢንዱስትሪን ዘተኮሩ ፕሮጀክትታት ሓንፂፃ ኣጀንዳታትን ፖሊሲታትን ክትቐርፅ እያ፣ እዚ ድማ ብዘሎ ኩነታት ከይተደናገርና ኒሕ፣ ተስፋን ዓርሰ እምነትን ሰኒቕና ብፅንዓት ቐዳማይ መማረፂና ገይርና ብምቕፃል እዩ” ክብል ኣፅንኦት ሂቡ።
ተሳተፍቲ ብወገኖም ዘይበርሀሎም ሕቶታት ኣብ ልዕሊ ምቕራቦም ካብ ዝሃብዎም ሓሳባት ድማ “ልቓሕ ብእዋኑ ዘይምምላስ፣ ዲሒሩ ልቓሕ ንዝሓትት ምትእጉጓል ስለዝኾነ ኣብ ምምላስ ልቓሕ ብዝበለፀ ክስራሕ ኣለዎ”
“ካብ ምሰረታኣ ጀሚራ ዛጊድ ብጣዕሚ ዓበይቲ ተግባራት ልምዓትን ምዕባለን ኣብ ምፍፃም ዘላ ፋና መናእሰይ መሬት ተዋሂብዋ ናይ ባዕላ ህንፃ ሰሪሓ ኣገልገሎታት ክተስፍሕ እናተገብኣ ዛጊድ ኣብ ክራይ ህንፃ ምህላዋ ትኽክል ኣይኾነን፣ ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ነዚ ዓቢይ ዋኒን ፍሉይ ትኹረት ክህብሉ ይግባእ”
“ፋና መናእሰይ እውን መላእ ኣባላታ ኣብ ኹለ-መዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፋና ክተዕስልን ኣብ ስራሕቲ ምርግጋእ ዕዳጋ ግቡኣ ክትፍፅምን ይግባአ” ዝብሉ ገሊኦም እዮም።