27/08/2025
ምዕባለታት!
ፕረዚደንት ባንኪ ኣንበሳ ንሰብ ዋና ባንኪ ግዕዝ "ኩሉ በዓል ብፅሒት ናብ ባንኪ ኣንበሳ ተፀንቢሩ ስለ ዘሎ እንኳዕ ደስ በለኩም" ዝብል መልእኽቲ ናብ ሕድሕድ በዓል ዋና ብሓፂር መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለው።
ባንኪ ኣንበሳ ምስ ውሱናት ኣባላት መታሓባበርቲ ፈሪሱ ዘሎ ባንኪ ግዕዝ ብምዃን እቲ ብሕጊ ዝተደነገገ መሰል ሰብ ብፅሒት( ገንዘብ ምስ ወለዱ ንሕድሕድ ሰብ ብፅሒት ምምላስ) ንጎኒ ገዲፎም ቁፅሩ ዘይነዓቕ ኣታሊሎም፣ ገሊኡ ድማ ኣይንደልይን ገንዘብና ምስ ወለዱ መልሱልና ኣብ ዝብለሉ ጥራሕ ከይኾነስ ሃገራዊ ባንኪ እውን ገንዘብ ዓደግቲ ካብ ድልየቶም ወፃኢ ከይተቀሳቕሱ ኢሉዎም እናሃለወ ብኢደ ወነኖም ገንዘብ ፅጉም የዛውሩን ንሰብ ዋና ድማ የንገላትዑን ኣለው።
ብፍላይ ዝተፈለ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ዘለኩምን ብዝኾነ መልክዑ ገንዘብኹም ክምለሰኩም እትደልዩ ዓደግቲ ልክዕ ኸምቶም ፈልልዮም ዝመለሱሎም 108 ሰባት ክምለሰልኹም ሕተቱ።
ሐዚ እውንዐደጊምና ደጋጊምና ነቲ በዓል ዋና ኣኪብኹም ወይ ብሚድያ እታ ሓቂን። ሕጋዊትን ኣካይዳ ኣፍልጡዎ።