19/03/2026
ወጋገን ሓልዮት...
ባንኪ ወጋገን ሸረ ዲሰትሪክት ብምኽንያት ባዓል ዒድ ኣልፈጥር ንዝተፀገሙ ማሕበረሰብ ሙሰሊም መውዓሊ ኣውደ ኣመት ሓገዝ ገይሩ ።
ሎሚ ዓመት ንመበል 1447 ዓመት ዝባዓል ዘሎ ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ባንኪ ወጋገን ኣብ ከተማ ሸረ እ/ሰላሰ ንዝርከቡ ዝተፀገሙ ማሕበረሰብ ሙሰሊም ብልዕሊ 300,000 ብር ዝተዓደጉ ሕሩጭ ፊኖን ዘይትን ድጋፍ ከም ዝተገበረ ተሓቢሩ ።
ኣብቲ እዋን ሓገዝ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣይተ ዘነበ ኣሳየሀይ ዳይሬክተር ባንኪ ወጋገን ሸረ ዲስትሪክት ከም ዝገለፅዎ ትካሎም ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ሸራሮ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ተምሃሮ ናውቲ ት/ቲ ብልዕሊ 637,000 ብር ዝወድኡ ዓዲጉ ከም ዘከፋፈለን ብተመሳሳሊ ኣብ ማይ ሓንስ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ብልዕሊ 2.2 ሚልዮን ብር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝገበረን ዓሚ ከምዚ ሎሚ ዓመት ውን ኣብ ከተማ ሸረ እ/ሰላሰ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ብልዕሊ 200,00 ብር ወፃኢ ብምግባር ን200 ወገናት ሓገዝ ከም ዝተገበረ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር ሎሚ ዓመት ውን ንመበል 1447 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ዒድ ኣልፈጥር ብምኽንያት ብምግባር ን81 ዝተፀገሙ ነበርቲ ከተማ ሸረ እ/ሰላሰ ማሕበረሰብ ሙሰሊም ብልዕሊ 300,000 ብር ዝተዓደጉ 5 ሊትሮ ዘይትን 10 ኪሎ ሕሩጭ ፊኖን ከም ዘከፋፈሉ ኣረዲኦም ።
ሸኽ ከደር ዓብዱ ኣቦ ወንበር ጉዳያት እስልምና ከተማ ሸረ እ/ሰላሰ ብወገኖም ከም ዝገለፅዎ ባንኪ ወጋገን በቢዓመቱ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ንዝተፀገሙ ማሕበረሰብ ሙሰሊም ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ዝናኣድ ኮይኑ ነዚ ፅቡቅ ዝገብር ዘሎ ትካል ገንዘብና ካብ ነፃ ወለድ ኣመቻቹ እናሰረሐ ስለ ዝርከብ ነዚ ዕደል ተጠቀምቲ ክንከውን ይግባእ ኢሎም ።
ነዚ ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብወገኖም ባንኪ ወጋገን ብምኽንያት ባዓል ዒድ ኣልፈጥር ከም ሰብና ከይተፀገምና ክነብዕል ሰለ ዝገበረልና እናመሰገና ካልኦቶም ውን ኣሰር እዚ ትካል ክስዕቡ ተላብዮም ።
''ወጋገን ሓልዮት''
መጋቢት 10/2018 ዓ/ም
ከተማ ሽረ እ/ስለሴ