24/05/2026
ኣሚጎስ ዝሰረሖ ፕሮጀክት ኮብልሰተን መንገዲ ወረዳ እምባ ኣላጀ ከተማ ዓዲ ሽሆ ተመሪቑ።
ኣብቲ ምረቓ ፕሮጀክት ላዕለዎት ሓፍቲ ስራሕ ኣሚጎስ፤ ተወከልቲ ምሞሕዳር ዞባ ደቡብን ምምሕዳር ወረዳ እንባ ኣላጀን ነበርቲ ከተማ ዓዲ ሽሆን ተረኺቦም እዮም።
መስራትን ፈፃሚ ስራሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ኣሚጎስ ኣይተ ፍፁም ኣብርሃ ኣሚጎስ ማሕበረሰብ ዓቑሩን ተለቂሑን ክልወጥ ኣብ ምግባርን ማሕበረሰብ ናይ ምሕጋዝን ስርሑ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።
ኣማሓዳሪ ወረዳ እምባ ኣላጀ መምህር ኣብርሃ ግደይ
ኣሚጎስ ኣብ ሓፂር እዋን እዚ ዓብዪ ፕርጆክት ሰሪሑ ምዝዛሙ እናመስገንና ንስሉጥ ስርሑ ከም መንግስቲ እውን ከም ተመክሮ እንወስዶ እዩ ኢሎም።
ኣሚጎስ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ከተማ ዓዲሸሆ ንዝሰርሖ ፕሮጀክት መንገዲ ኮብልስተን ዘመስገኑ ነበርቲ ብወገኖም ንባዕሎም ኣባላት ኾይኖም ካልኦት እውን ኣባላት ኣሚጎስ ንክኾኑ እጃሞም ከምዘበርክቱ ተዛሪቦም።
ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ኣሚጎስ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር እዋን ክዛዘም ኣስተዋፀኦ ንዝገበሩ ኣካላት ሽልማት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ።
ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ እምባ ኣላጀ በወገኖም ነቲ ኣሚጎስ ብሰናይ ተበግሶ ፕሮጀክት ተሰሪሑ ክዛዘም ንዝገበረ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ኣሚጎስ፤ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣሚጎስን ሽልማት ኣፍልጦን ምስጋናን ሂቦም እዮም።
አድራሻ
ከተማ መቐለ: ከባቢ ኣክሱም ሆቴል ኖታ ሞል 8ይ ደብሪ
ከተማ ሽረ :ጎኒ አፍሪካ ሆቴል
ከተማ ኣክሱም : ከባቢ ፎቶ ናሽናል እናት ባንክ ዝርከበሉ ህንፃ ንርከብ።
ከተማ ዓዲግራት : ቀበሌ 05 ጥቃ ወልዱ ስባጋድስ ሆቴል
ከተማ ውቅሮ: ጣብያ ሓየሎም ናይ ቀደም ሲና ቡን ወይ ድማ ሓበሻ ቡና ሕልፍ ኢልካ
ከተማ ዓድዋ : ቀበሌ 06 ካባቢ ሸዊት ሆቴል እናት ባንክ ዝርከበሎ ህንፃ
ከተማ ዓብዩ ዓዲ: ቀበሌ 02 እንዳ አዜብ ሆቴል
ንርከብ
ከተማ ዓዲ: ሽሆ ዞን ወይን ሓበን ሆቴል ዝርከበሉ ህንፃ
ከተማ ሞኾኒ ምውፃእ አላማጣ ቶሮንቶ ህንፃ
ከተማ ማይ ጨው :02 ፒያሳ ጥቃ መንገዲ ን መጓዓዝያን ንርከብ
ከተማ ሸራሮ
ጣብያ ሙሴ ፊት ንፊት ቀስተ ደመና ሆቴል ወይ ድማ ቢጂ ኣይ