Shire Business ሽረ ቢዝነስ

Shire Business ሽረ ቢዝነስ A smart business and investment consultant, academia, news provider, lifestyle guidance full of love & blessings from God.

ግሎባል ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ሽረ መበል 240 ቅርንጫፍ ከፊቱ ኣሎ፣ Welcome to the business hub town - Shire Endasilassie. 🙏
21/06/2025

ግሎባል ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ሽረ መበል 240 ቅርንጫፍ ከፊቱ ኣሎ፣ Welcome to the business hub town - Shire Endasilassie. 🙏

Attention
05/02/2025

Attention

ኣብያተ ምኽሪ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝገብር ሓዱሽ መምርሒ ብካቢኔ ፀዲቑ ኣሎ።እስከ ንርኣዮ !
31/01/2025

ኣብያተ ምኽሪ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝገብር ሓዱሽ መምርሒ ብካቢኔ ፀዲቑ ኣሎ።
እስከ ንርኣዮ !

31/01/2025

ጥሉል ሓበሬታ ብዛዕባ ናብ ፀለምቲ ዝኣተዉ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያ።
+++
ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብዞም ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ፀለምቲ ብሽዱሽተ ኦራላት ተፃዒኖም ዝኣተዉ ሰራዊት ኢትዮጲያ ምህላዋም ብምግላፅ ምኽንያት መምፅኢኦም ከዓ ሰብ ከከም ዝተረድኦን ዝገመቶን እናበለ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ።

ነዚ መበገሲ ገይረ ናብቲ እቶም ሰራዊት ኢትዮጲያ ዓሪፎምሉ ዝተበሃለ ከባቢ ደወሊ ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ። እቲ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ እታ ዝመፅአት ኣሃዱ መከ ኢትዮጲያ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ዓሪፋትሉ ዘለና ከባቢ ዝነበረትን ናብ ልኡኽ ከይዳ ነይራ ዝተመለሰትን ምዃና ኣረጋጊፀ ኣለኹ።
ኣባላት እታ ኣሃዱ እውን ምስ ህዝቢ ዕሸል ከተማ እምባማድረን ከባቢኡን ዝፈላጡ ምዃኖም እዩ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ዘረጋግፅ።

ስለዚ ካብ ናብ እትንቀሳቐስ ማሕበረሰብ ወረዳታት ፀለምትን ከባቢኡን ክሳብ ሕዚ እዚ ዝበሃል ሓዱሽ ነገር ከም ዘየለን ብዘይካ እቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ዘየብልካ ምኻኑ ዝበፅሐካ ዘሎ ፀገም ወፃኢ ካልእ ዘጨንቕ ምንቅስቓስ ዘይምህላዉ ተረዲእኻ ውዕሎኻን ሂወትካን ክትመርሕ ይግባእ።

Mamuye Negash

31/01/2025

Facebook company ንዶነልድ ትራምፕ 25 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ 😢
ቅድም ክብል ኣብ መረፃ ኣሜሪካ 2020 ውፅኢት መረፃ ብሓይሊ ከቐይሩ ፈቲኖም ኣብ ዝነበርሉ meta ኩባንያ ናይ ትራምፕ ኣካውንት ንውሱን ጊዜ ኣጊድዎ ዝነበረ እንትኸውን፣ ናይዚ ካሕሳ እዩ እምበኣር 25 ሚልዮን ዶላር ክኽፈል ተሰማሚዖም ዘለዉ!!!

ትራምፕ ብወገኑ እቲ ካሕሳ ኣብ ላይብረሪ መህነፂ ከውዕሎ ወሲኑ ኣሎ
Shire Business ሽረ ቢዝነስ

31/01/2025

ርክብ ኢትዮ~ ኤርትራ ሓርፊፍሉ ኣብ ዘሎ እዋን ~> ትማሊ ዕለት 22/05/2017 ዓ,ም ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ኣስመራ ኣትዮም ምስ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተራኺቦም ኣለው።

እዞም ዋና ደጋፊ ቀ/ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኖም ዝፍለጡ ሙሳ ፋቂ ንምንታይ ዕላማ ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዓዙ ዝተፈለጠ ነገር'ኳ እንተ'ዘይሃለወ፣ ንፕሬዝደንት ኢሳይያስን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ንምቅርራብ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለው።

Solo King

25/01/2025


~~~~~~~~~
ኣይተ ሙላለም ገ/ህይወት ወናኒ ኣፍሪካ ሆቴል ፅባሕ ናይ ወዱ ዝካየድ ሰነ ሰርዓት መርዓ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ሆሰፒታል ጉና እናተሓከሙ ንዝርከቡ ውግኣት ተጋደልቲና ብልዕሊ 160,000ብር ወፃኢ ብምግባር ክልተ ኣቡዕር ለጊሱሎም ።
ኣብቲ እዋን ተረኺቦም ናይ የቀንየልና መልእኽቲ ዘሕለፉ ተጋዳላይ ሙሉ ፍትዊ ተወካሊ ምዕራብ ግንበር ሆስፒታል ጉና ከም ዝበሉዎ ህዝቢ ሸረ ካብ ክዳንና ምሕፃብ ጀሚሩ ክሳብ ምግቢ ምቅራብ ካብ መኸተ ክሳብ ሎሚ ኣዝዩ ዝምሰገን ሓገዝ እናገበረልና ከም ዘሎን ካብቶም ኩሉ ግዜ ካብ ጎንና ከይተፈለዩ ድጋፍ እናገበሩ ዝርከቡ ግንባር ቀደም ባዓል ሃፍቲ ኣይተ ሙላለም ገ/ህይወት ብምኽንያት ናይ ወዶም ቃልኪዳን ምእሳር ንቤተሰቦም ካብ ዘዳለውዎ ቀኒሶም ንትካልና ክልተ ኣቡዕር ሰለ ዘረከቡልና ብሸም እዞም ውግኣት ተጋደልቲ ዝላዓለ ምሰገና እናቅረብና ንወዶም ድማ ርሑስ ጋማ ክኾነሎም ንምነ ድሕሪ ምባሎም ከምዚ ዓይነት ሰናይ ተግባር ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ውን ክስዕብዎን ፀገም ውግኣትና ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙናን ንላቦ ኢሎም ።
ብተመሳሳሊ ነዚ ድጋፍ ዘበርከቱ ባዓል ሃፍቲ ኣይተ ሙላለም ገ/ህይወት ብወገኖም ከም ዝበሉዎ መርዓ ዘይተርፍ ጉዳይ ብምዃኑ ንቤተሰብ ኢለ ናይ መርዓ ወደይ ካብ ዘዳለኽዎ ናብ ገዛይ ክመፁ ዘይኽእሉ ውግኣት ተጋደልቲ ንምንታይ ናብቲ ዘለውዎ ወሲድና ዘይነረክቦም ብዝብል ምስ ቤተሰበይ ብምዝርራብ ክልተ ኣቡዕር ኣብዚ ብኣካል ተረኺበ ነዞም ውጉኣት ተጋደልትና ርኽክብ ምፍፃመይ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን ድሕሪ ምባሎም ኣብዚ ጉና ሆስፒታል እናተሓከሙ ዝርከቡ ውግኣት ኣይዞኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና ክብሉ ናይ መተባብዒ ሞራል ሂቦም ።
ኣይተ ሙላለም ኣብ ሰራሕቲ ልምዓት ከተማና ተሳትፎ ካብ ዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ብቀዳምነት ካብ ዝጥቀሱ ሓደ እዮም ።
ብወገና ከምዚ ዓይነት ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቅፅልን ካልኦትና ውን ንውግኣት ተጋደልትና ኣብ ምሕጋዝ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክትገብሩ እዋናዊ መልእኽትና እዩ ።

ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ
ጥሪ 17/2017 ዓ/ም

ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ንዶናልድ ትራምፕ ኣቀባብላ ብምግባር ንዋይት ሃውስ ተሰናቢቶም ናብ ናይ ግሊ ህይወቶም ናብ ካሊፎርንያ ኣቕኒዖም ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ድማ "ካብ ቃልሲ ኣይንርሕቕን"...
23/01/2025

ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ንዶናልድ ትራምፕ ኣቀባብላ ብምግባር ንዋይት ሃውስ ተሰናቢቶም ናብ ናይ ግሊ ህይወቶም ናብ ካሊፎርንያ ኣቕኒዖም
ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ድማ "ካብ ቃልሲ ኣይንርሕቕን" ኢሎም !!! እወ ካብ ቃልሲ ድኣ ከመይ ኢልካ ይረሓቕ ?
ትራምፕ ብወገኖም " ኣብ ግዜ ባይደን ዝነበሩ ነገራት ኩሎም ክንቅይሮም ኢና " ክብሉ ተሓንዮም !!!

እስከ ፀፅቡቑ ንመነየሎም ንመራሕትና መሕቲ ኣሜሪካ 💪
መቸም ኣሜሪካ ሰላም እንተዘይረኺባ ዓለም ሰላም ኣይክህልዋን እዩ !!!

Shire Business ሽረ ቢዝነስ

👉 ምልክታ ፍሉይ ጨረታ ሊዝ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ 👉 ፅሬትን ብቕዓትን ዘለዎ ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ክነዳልወልኩም ንእትደልዩ ሕተቱና👇👇👇
23/01/2025

👉 ምልክታ ፍሉይ ጨረታ ሊዝ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ
👉 ፅሬትን ብቕዓትን ዘለዎ ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ክነዳልወልኩም ንእትደልዩ ሕተቱና
👇👇👇

23/01/2025

ከተማ ሽረ-እ/ስላሴ ይቕፅል ኣሎ።
#ባዛር ዝካየደሉ ቦታ:- ቀበሌ 01 ናብ ዞባ ምም/ር ኣብ ዝወስድ ጎደና::
#መዳለውቲ:- ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን
ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ከተማ ሽረ እ/ስላሴ
#መተሓባበሪ:- እቱሃራ ፕሮሞሽን

👉 ቀንዴል ፕሮሞሽን

21/01/2025

ሰናይ ዜና ካብ ሽረና
✈✈✈✈✈✈
ሽረ ኤይርፖርት /መዕርፎ ነፈርቲ ሜ.ጄ. ሓየሎም/ ተርሚናል ንምስራሕ ዘኽእል በጀት ፀዲቑ፣ ኮንትራት ተኣሲሩ፣ ርኽክብ እውን ተፈፂሙ ንሰምዕ ኣለና ✈

Address

Shire
251

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Shire Business ሽረ ቢዝነስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share