ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሕ/ስ/ማሕበር/Kalu Sacco Ltd

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሕ/ስ/ማሕበር/Kalu Sacco Ltd

ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሕ/ስ/ማሕበር/Kalu Sacco Ltd Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሕ/ስ/ማሕበር/Kalu Sacco Ltd, Tigray, Mekelle.

ርሑስ ብዓል ልደት ንኣባላትናን ንህዝቢ ትግራይን!ብዓል ልደት 2018 ዓ/ም ዝተፀገሙ ወገናትና እንሕግዘሉ፣ወርሓዊ ዕቋርና ብዘይምቁርራፅ ነዋህልለሉ፣ካብ ማሕበርና ዝወሰድናዮ ልቓሕ ብእዋኑ እን...
07/01/2026

ርሑስ ብዓል ልደት ንኣባላትናን ንህዝቢ ትግራይን!

ብዓል ልደት 2018 ዓ/ም ዝተፀገሙ ወገናትና እንሕግዘሉ፣ወርሓዊ ዕቋርና ብዘይምቁርራፅ ነዋህልለሉ፣ካብ ማሕበርና ዝወሰድናዮ ልቓሕ ብእዋኑ እንምልሰሉን ኣብ 2017 ዓ/ም ዝነበሩና ክፍተታት እንፍትሽሉን ኣብዚ ዓመት ዕዉት ስራሕ ሰሪሕና ዝሓሸ ዕቤት እነመዝግበሉን ዓመት ክኾነልና ሰናይ ትምኒትና ንገልፅ። ብቀንዱ ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ዝምለስሉን ሙሉእ ሰላም ዝሰፍነሉን ዓመት ክኾነልና ብሃንቀውታ ንፅበ።

ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን ሕ/ስ/ማሕበር

ካብ ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሓ/ዝተ/ሕ/ስ/ማሕበር ንኹሎኩም ኣባላት ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን እንኳዕ ንባዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ኣብፀሓና እናበልና ባዓሉ ናይ ሰላምን ደስታን ንክኾ...
05/01/2026

ካብ ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሓ/ዝተ/ሕ/ስ/ማሕበር
ንኹሎኩም ኣባላት ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን እንኳዕ ንባዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ኣብፀሓና እናበልና ባዓሉ ናይ ሰላምን ደስታን ንክኾነልኩም ማሕበርኩም ሰናይ ትምኒታ ትገልፅ። ዕቋርኩምን ልቓሕኹምን ክሳብ 30 ታሓሳስ 2018 ዓ/ም ናብ ባንክ ኣታዊ ንክትገብሩ ነፍልጥ ።
ሰናይ ባዓል ልደት ይኹነልኹም
ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሓ/ዝተ/ሕ/ስ/ማ

ክፍቲ ናይ ስራሕ ማስታወቅያ
15/12/2025

ክፍቲ ናይ ስራሕ ማስታወቅያ

ብሽም ቃሉ ብዝተገበረልና ዕድመ መሰረት ሎሚ ዕለት 29/02/2018 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣክሱም ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ዘተ ባንኪ ኣንበሳ ካብ ሰዓት 3:00 ቅ/ቀትሪ ጀሚሩ ንሳተፍ ኣለና።
08/11/2025

ብሽም ቃሉ ብዝተገበረልና ዕድመ መሰረት ሎሚ ዕለት 29/02/2018 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣክሱም ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ዘተ ባንኪ ኣንበሳ ካብ ሰዓት 3:00 ቅ/ቀትሪ ጀሚሩ ንሳተፍ ኣለና።

22/10/2025

ፃውዒት ጉባኤ
ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ናይ 2017 ዓ/ም ስራሕቲ ብምግምጋም ናይ 2018 ዓ/ም ትልምን በጀትን ተዛቲኻ ንምፅዳቕ ፤መበል 11 ሓፈሻዊ ጉባኤ 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ።
ስለዝዀነ ኲለኹም ኣባላትና 16 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ጅብሩኽ ፊት ንፊት ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሆቴል ሞሞና ንጉሆ ሰዓት 2:30 ኣብቲ ጉባኤ ክትርከቡልና ብኽብሪ ንፅውዕ።
ቃሉ ፅላል ኩሉ!
ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር

Address

Tigray
Mekelle

Telephone

+251910273363

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቃሉ ዕቋርን ልቓሕን መ/ሕ/ስ/ማሕበር/Kalu Sacco Ltd posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share