ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዓድና /ADNA Saving and Credit Limited Coop

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዓድና /ADNA Saving and Credit Limited Coop

ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዓድና /ADNA Saving and Credit Limited Coop ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መጣየሺ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ቑፅሪ 985/2009 ምዝገባ ወረቐት ዝተወሃባ ዕቋርን ልቓሕን መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር እያ።

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓ/ዝተ/መሰ/ሕ/ስ/ማሕበርዕቋርን ልቓሕን ዓድና !~~~~~~~~~~~~~~~~ንኹልኹም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘለኹም  ተኸተልቲ ✝️እምነት ክርስትናን  ኣባላትን   ዕቋርን ...
11/04/2026

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓ/ዝተ/መሰ/ሕ/ስ/ማሕበር
ዕቋርን ልቓሕን ዓድና !
~~~~~~~~~~~~~~~~
ንኹልኹም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘለኹም ተኸተልቲ ✝️እምነት ክርስትናን ኣባላትን ዕቋርን ልቓሕን ዓድና እንኳዕ✝️ ንብርሃነ ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበልና ፣ ✝️ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላምን ራህዋን በዓል ንክኾነልኩም ንምነ!!

ዕቋርን ልቓሕን ዓድና
ስሙር መሪሕነት ቁልፊ ትካላዊ ዕብየት!
~~~~~~~~~~~~~~~~

"  መዘኻኸሪ" ‎ ሰላም ዝተኸበርኩም ኣባላትና !ዕቋርኹምን ልቃሕኹም ብእዋንኹም ትኸፍሉ ዘለኹም  እናመስገንና ‎ሎሚ መወዳእታ የካቲት ዕለት 30/06/2018 ዓ.ም ምዃኑ ፈሊጥኹም  ብእዋንኹ...
09/03/2026

" መዘኻኸሪ"
‎ ሰላም ዝተኸበርኩም ኣባላትና !
ዕቋርኹምን ልቃሕኹም ብእዋንኹም ትኸፍሉ ዘለኹም እናመስገንና ‎ሎሚ መወዳእታ የካቲት ዕለት 30/06/2018 ዓ.ም ምዃኑ ፈሊጥኹም ብእዋንኹም ክትኸፍሉ ነተሓሳስብ።
‎➡️ኣታዊ ክንገብር ከለና፡
‎ ✅ ሽምናን ኮድናን ንፅሓፍ
‎ ✅ ባንክታት (ኣንበሳ፣ወጋገን፣ንግዲ፣ኣዋሽ፣ዳሽን) ንጠቀም
‎❗ልቃሕና ብኣግባቡ ንመልስ
‎❗ካብ ተወሳኺ ቅፅዓት ንድሓን
‎❗ዝዓቆሩ ኣባላትና ክልቅሑ ምእንታን ልቃሕና ብኣግባቡ ንመልስ።
ዕቋርን ልቃሕን ዓድና
" ስሙር መሪሕነት ቑልፊ ትካላዊ ዕቤት"

‎ ። 🙏

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ!ሓ/ዝ/መሰ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ዓድና ብመደብ ስራሕ ማ/ክኢላ ልቃሕ ኣወዳዲሩ ክቆፅር ስለዝደሊ ተወዳደርቲ ክሳብ ዝተጠቀሰ ዕለት ክተምዝገቡ ንሕብር።
26/01/2026

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ!
ሓ/ዝ/መሰ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ዓድና ብመደብ ስራሕ ማ/ክኢላ ልቃሕ ኣወዳዲሩ ክቆፅር ስለዝደሊ ተወዳደርቲ ክሳብ ዝተጠቀሰ ዕለት ክተምዝገቡ ንሕብር።

08/01/2026

" መዘኻኸሪ"
‎ ሰላም ዝተኸበርኩም ኣባላትና !
ዕቋርኹምን ልቃሕኹም ብእዋንኹም ትኸፍሉ ዘለኹም እናመስገንና ‎ሎሚ መወዳእታ ታሕሳስ ዕለት 30/04/2018 ዓ.ም ምዃኑ ፈሊጥኹም ብእዋንኹም ክትኸፍሉ ነተሓሳስብ።
‎➡️ኣታዊ ክንገብር ከለና፡

‎ ✅ ሽምናን ኮድናን ንፅሓፍ
‎ ✅ ባንክታት (ኣንበሳ፣ወጋገን፣ንግዲ፣ኣዋሽ፣ዳሽን) ንጠቀም
‎❗ልቃሕና ብኣግባቡ ንመልስ
‎❗ካብ ተወሳኺ ቅፅዓት ንድሓን
‎❗ዝዓቆሩ ኣባላትና ክልቅሑ ምእንታን ልቃሕና ብኣግባቡ ንመልስ።

‎ ሰላም!
" ስሙር መሪሕነት ቑልፊ ትካላዊ ዕቤት"
‎ዕቋርን ልቃሕን ዓድና
‎ 🙏

06/01/2026
‎ውዕሎ መድረኻዊ ዘተ ዓድና ዕቋርን ልቃሕን!‎👇👇👇👇👇👇👇👇👇‎ሎሚ ዕለት 25/04/2018 ዓ/ም ትካልና ዕቋርን ልቓሕ ዓድና ምስ ኣባላታ መድረኽ ዘተ ኣካይዳ።‎===================...
03/01/2026

‎ውዕሎ መድረኻዊ ዘተ ዓድና ዕቋርን ልቃሕን!
‎👇👇👇👇👇👇👇👇👇
‎ሎሚ ዕለት 25/04/2018 ዓ/ም ትካልና ዕቋርን ልቓሕ ዓድና ምስ ኣባላታ መድረኽ ዘተ ኣካይዳ።
‎===================
‎ትካል ዕቋርን ልቓሕን ዓድና ካብ ትምስረት ክሳብ ሐዚ ናብ 3ይ ዓመታ እናተቓረበ እንትኸውን፤ ካብ ምስረታ ክሳብ ሐዚ ዝነበራ ከይዲ ዝምልከት ድማ ምስ ኣባላታ ዕሙቕ ናይ ዘተ መድረኽ ኣካይዳ ኣላ።

‎ሎሚ ዕለት 25/04/2018 ዓ/ም ምስ ኣባላት ዕቋርን ልቓሕ ዓድና ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ፡-

‎✅ " ዓድና ካበይ ናበይ?" ብዝብል ርእሲ ከይዲ ትካላዊ ጉዕዞ ትካል ዝገልጽ ሓሳብ ብመልክዕ Presentation ብስራሕ መካየዲ ትካልና ዝቐረበ ኮይኑ ብኣባላት፣ሰራሕተኛ፣ ኣመራርሓን ወደብቲ ኣካላትን እውን ተወሳኺ ዘተ ተገይርሉ እዩ።

‎✅ ኣብቲ ዘተ ከም ትካል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝመፅአትሉ ምዕባይ ካፒታልን ወሰኽ ዓመታዊ ትርፍን፣ዝነበሩ ዘይምዕሩይ ኣካያይዳታት ማለት እውን ናይ ግልጋሎትን ኣሰራርሓን ክፍተት፣ ናይ ሕጊን መስርሕን ክፍተት፣ ኣብ ኣባላት ዘጋጠመ (ተፈጢሩ ዝነበረ) ስግኣትን ጥርጣረን፣ ኣብ ትካልን መሪሕነታን ዝተገበረ ወፍሪ ፀለመን ምፅልእላእን ፣ ኣብ ግልጋሎት ልቓሕ ዝነበረ ናይ ኣባላት ቅሬታ፣ ...ወዘተ ብሓፈሻ ከም ትካልን መጠን ካፒታልን ዝበፅሐትሉ ዕብየት ኣዝዩ ዝነኣድ እንተኾነ ኣብ ኣባላት ዝተፈጠረ ቅሬታ ንምፍታሕ ግን እዋኑ ብዝሓለወ ግልጋሎትን ብዘመናዊ እታወታትን ንክመሓየሽ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሉ እዩ::

‎✅ ቅድሚ ሐዚ ብዝነበሩ ናይ ኣመራርሓ ክፍተት መሰረት ዝተፈጠሩ ናይ ትካል ዕንቅፋታት ብምልዓልን ኣብ ክትትል ሕጊ ዘሎ ጉዳይን ዝበፅሖ ደረጃን ብ ሕጊ ኮሚቴ ንኣባላት ግልፂ ብምግባርን ኣብ ትካላዊ ስራሕትና ትኹረት ገይርና ክንሰርሕን ግዜና ኣብ በለካ ለኸዐካ ክንውዕል ከምዘይብልናን ኣባላትና እውን ማዕረ ማዕረ ኣመራርሓ ሓገዝቲ ክንኾን ከምዘለና ተስፋ ዝህቡ ቀፀልቲ ኣንፈታት ተቀሚጦም እዮም።

‎✅ ብኣካል ናብ ትካል ብምምፃእ ወይም ኣብ ኸምዚ ዓይነት ግልፂ መድረኻት ሓሳቦም፣ዘለዎም ፀገም ብግልፂ ክንዲ ምቕራብ ብድሕሪት ኮይኖም ናይ ትካልን ኣመራርሓን ሽም ብምፅላም ትካል ኣብ ምፍራስ ኣብ ዝተዋፈሩ ኣካላት ፅንዓት ብምግባር ማሕበርና ልዕሊ ህልውንኣ ምንም ከምዘየለ ፈሊጣ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምእትጅምርን ኩሉ ኣባል ኣብዚ ተሓባባራይ ክኸውን ከምዝግብኦን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ እዩ።

‎✅ ዕቋርን ልቓሕን ዓድና ካብ ዝተመስረተትሉ (መጋቢት 2015 ዓ.ም) ክሳብ ሐዚ ዘለዋ መጠን ካፒታል ልዕሊ 100,000,000(ሓደ ሚእቲ ሚልዮን )ዝበፅሐ ኮይኑ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ድማ ቕልጡፍን ዘመናውን ግልጋሎት ዕቋርን ልቓሕ ንኣባላታ ክተበርክት ከም ዝግባእ ተሰሚርሉ እዩ።

‎✅ ብድምር እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሞሞና ሆቴል ሎሚ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ብጣዕሚ ሃናፃይን ብሩህ ኣንፈት ትካል ዘአንፈተን ኮይኑ ኩሎም ኣባላት ዕቋርን ልቓሕን ዓድና ድማ ትካላዊ ሽም ኣብ ምህናፅ ፕሮሞሽን ኣብ ምስራሕ ክነጥፉ ከም ዕዮ ገዛ ወሲዶም እዮም።

‎♻️ ስለዚ ዝኸበርኩም ቤተሰብ ዓድና ዕቋርን ልቃሕን ትካልኹም ንኹሉ ኣባል ግልፂ ብዝኾነ ዝሐሸ ኣሰራርሓ ሒዛ ትሰርሕ ዘላ ትካል ስለዝኾነት ዕቋርኹም ኣብ ስዓትኹም ክትዓቁሩ፣ልቃሕ ዝወሰድኹም ድማ ኣብ ግዜኹም ምስ ዕቋርኹም ክትምልሱ፣ከምኡ'ውን ኣባል ዘይኾኑ ቤተሰብ ዓድና ዕቋርን ልቃሕን ክኾኑ ዝደልዩ ክትዕድምዎም ልባዊ ፃውዒትና ነቅርብ።


‎ ስሙር መሪሕነት ንትካላዊ ዕብየት!

‎ ዓድና ዕቋርን ልቃሕን

‎ኣድራሻና :መቀለ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ 16 ቀበሌ ኣብ ናይ 17ን ዲያስፖራን ታክሲ ፌርማታ

‎ ☎️ +251917444888
‎🌐 www.adnasacco.com
‎📧 [email protected]

ዓድና ዕቋርን ልቃሕን መሰረታዊ ሓላ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ኣብ ህልዊ ኩነታት እታ ትካል መሰረት ገይራ ምስ ኣባላታ  ሓበራዊ ዘተ እናካየደት ትርከብ ።
03/01/2026

ዓድና ዕቋርን ልቃሕን መሰረታዊ ሓላ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ኣብ ህልዊ ኩነታት እታ ትካል መሰረት ገይራ ምስ ኣባላታ ሓበራዊ ዘተ እናካየደት ትርከብ ።

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ!
02/01/2026

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ!

ፃውዒት መድረኽ ሓበራዊ ዘተ!‎ንኩልኹም ኣባላት ዕቋርን ልቃሕን ዓድና ወርሓዊ ዕቋርኹምን ልቃሕኹምን ብእዋንኹም ኣታዊ ምግባርኹም ኣዚና እናመስገንና ሐዚ ድማ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትካልና መሰረት...
30/12/2025

ፃውዒት መድረኽ ሓበራዊ ዘተ!
‎ንኩልኹም ኣባላት ዕቋርን ልቃሕን ዓድና ወርሓዊ ዕቋርኹምን ልቃሕኹምን ብእዋንኹም ኣታዊ ምግባርኹም ኣዚና እናመስገንና ሐዚ ድማ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትካልና መሰረት ገይርና ናይ ኣባላት መድረኽ ብምድላው ሓበራዊ ዘተ ክንገብር ስለዝደለና ናይ ኣባልነት ደፍተርኹም ብምሓዝ ንዕለት 25/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 2፡00 ንጉሆ ኣብ መቀለ ሞሞና ሆቴል ንክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።

‎ ኣድራሻና :መቀለ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ 16 ቀበሌ ኣብ ናይ 17ን ዲያስፖራን ታክሲ ፌርማታ
‎ ☎️ +251917444888
‎🌐 www.adnasacco.com
‎📧 [email protected]

‎ "ስሙር መሪሕነት ቑልፊ ትካላዊ ዕቤት"
‎ ዕቋርን ልቃሕን ዓድና



☑️ተወዲብኻ ምዕቋር  ብውልቀ ክፍተሑ ዘይክእሉ ፋይናንሳዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ :- ኣባላት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕ ዓድናመቐለ፥ 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም☑️ተወ...
02/03/2025

☑️ተወዲብኻ ምዕቋር ብውልቀ ክፍተሑ ዘይክእሉ ፋይናንሳዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ :- ኣባላት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕ ዓድና

መቐለ፥ 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም

☑️ተወድብኻ ምዕቋር ብውልቀ ክፍተሑ ዘይክሉ ፋይናንሳዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ከምዘለዎን ፣ብወገኖም ተወዲቦም ብምዕቋሮምን ብምልቓሖምን ተጠቀምቲ ይኾኑ ከምዘለው ኣለዎ-ኣባላት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕ ዓድና ተዛሪቦም።

☑️ብተወሳኺ እውን እቶም ኣባላት ብውዳበ ምዕቋር ዕድል ልቓሕ ብቐሊሉ ንምርካብ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምግላፅ ሕብረተ ሰብ ካብዘለዎ ክዓቁር ምዒዶም።

☑️ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልሕቓን ዓድና ኣባላትን ኣመራርሓን እታ ማሕበር ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኣ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጣ።

☑️ዕቋርን ልቓሕን ዓድና ካብ እትምስረት ክልተ ዓመታት ዝገበረት እትኾውን ልዕሊ 72 ሚልዮን ብር ሃፍቲ ከምዝወነነትን ቁጠባዊ ፀገማት ኣባላታ ንምፍታሕ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላን ምክትል ኣቦወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ሞላ ካሕሳይ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ድማ ልዕሊ 54 ሚልዮን ብር ድማ ንኣባላታ ልቓሕ ከምዝሃበትን ሓቢሮም።

☑️ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ቁጠባዊ ፀገማት ንምቅላል ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለወን ዝገለፃ ኣተሓባባሪት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከተማ መቐለ ወ/ሮ ዘመዳ ገ/ሚካኤል ሕብረተሰብ ተወድቡ ባህሊ ምዕቋር ከበርኽ ይግባእ ኢለን።

☑️ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ዓድና ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 1900 ኣባላት ከምዘለዋን ልዕሊ 72 ሚልዮን ብር ሃፍቲ ወኒና ትርከብ።

Address

መቐለ
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዓድና /ADNA Saving and Credit Limited Coop posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ዓድና /ADNA Saving and Credit Limited Coop:

Share