Genius cartrdige- GTC

Genius cartrdige- GTC ASSEMBLER OF GENUES CARTRIDGE
A Product Of A & S PILLAR TRADING P.L.C
* High quality tonner cartridgr.
*Adance imaging technology.
*Satisfaction guarante

30/10/2023
01/02/2023
26/05/2019

“20 ጉንበት ንዓና፥ ግፍዐኛ ስርዓት ኣፍሪስና ህዝባውን ሕገ መንግስታውን ስርዓት ዝተኸልናሉ ክቡር መዓልቲ እዩ” ዶ/ር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2011 (ኤፍቢሲ)፦ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብምኽንያት መበል 28 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “20 ጉንበት ንዓና ግፍዐኛ ስርዓት ኣፍሪስና ህዝባውን ሕገ መንግስታውን ስርዓት ዝተኸልናሉ ክቡር መዓልቲ እዩ” ኢሎም።

እቶም መክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ከም ትግራይ ይኹን ከም ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንቕድሚት ከይንስጉም ሓሊኹ ዝሓዘና፣ ዘፀገመልና፣ ዝዕፍነናን ካብ ድኽነት ከይንወፅእ ዝቖረነናን ካብኡ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ዝፈፀመልና፤ ናይ ባዕልና ዕድል ብባዕልና ከይንውስን ዝገበረና ስርዓት ኢና ኣፍሪስና ብምባል ገሊፆም።

ኣብቲ መሪር እዋን ሳላ ተወዲብና ዝተቓለስና፣ ሳላ ፅቡቕ ኣመራርሓ ዝረኸብና፥ ክፈርስ ዝግበኦ ስርዓት ኣፍሪስና ሓዱሽ ህዝባውን ሕገ መንግስታውን ስርዓት ኣጣይሽና በዚ ውን መዓልቲ ዘይኮነስ በቲ ዕለት ዝተፈፀመ ኩነት ኢና ነብዕል ኢሎም።

ማዕርነት ኩለን ብሄር ብሄረሰባት ዘረጋግፅ፣ ሃገር ብሓባር ክትምረሐሉ እትኽእል ማዕርነታዊ ሓድነት ብሄር ብሄረሰባት ዘረጋግፅ ስርዓት ከምዝተጣየሸ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን፥ መሰላት ውልቀ ይኹን ጉጅለ፣ ማዕርነት ብሄር፤ ሃይማኖታትን ዝተረጋገፀሉ ሰብ ብነፃነት ክንቀሳቐስ ዘኽእል ኩነታት ዝፈጠርናሉ ብውድድር ፖለቲካ ስልጣን ንምሓዝ ዘኽእል መሰረት ዝተነፀፈሉ ግዜ ምዃኑ ኣረዲኦም።

20 ጉንበት ለውጢ ስርዓት ዘምፃእናሉ ክቡር መዓልቲ እዩ ምስበሉ፥ ሐዚ ኮይንና ድማ ኣብ ክሊ ስርዓት ዝገጠመና ሓደጋ ኣሎ ብምባል ኣብሪሆም።

እዚ ማለት ብ20 ጉንበት ዝመፅአ ለውጢ ዝፃባእ ኩነታት እንትፍጠር ዓወት 20 ጉንበት ሐዚ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ማለት ‘ዩ። በዚ ውን ሓደግኡ ኣስተባሂልና ክንሪኦ ይግባእ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ስለዚ 20 ጉንበት መዓልቲ ዓወት እያ፤ ሐዚ ኾይንና ድማ ንዓወትና ዝፃባእ ምንቅስቓስ ስለ ዘሎ ክነስተውዕል እዩ ዘለና ኢሎም።

“ነቶም ዓወታት ዘዐንቅፉ ሓይልታት ብምምካት ብ20 ጉንበት ዘምፃእናዮ ዓወት ከይፈርስ ክንዕቅቦን ክሕይልን ንሰርሐሉ፤ ዕላምኡ ከይስሕት ድማ ንቃለሰሉን ከም ብሓዱሽ ምልዕዓል ቃልሲ ገይርና ሕድሕድና ናይ ባዕልና እጃም ንኽነበርክት ፃውዒት አቕርብ” ብምባል መልእኽቶም ኣተሓላሊፎም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

14/05/2017

Address

0914300761
Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Genius cartrdige- GTC posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Genius cartrdige- GTC:

Share